|
||
|
|
||
|
ኣብ ዓ.ብሪጣንያ እንርከብ ሓለፍቲን ኣባላትን ሰልፊ ዴሞክራሲ ኤሪትራን ተ.ሓ.ኤ-ሰውራዊ ባይቶን ንሓድነት ዝዓለመ ብዕለት 04-05-2008 ኣኬባ ኣካዪድና፡፡
ብ19/04/2008 ኣባል ፈጻሚት.ሽ. ተ.ሓ.ኤ-ሰ.ባ ብጻይ ኣሰፋው በርሄ ኣባላት ማእከላይ መሪሒነት ሰ.ዴ.ኤ ብጾት ቴድሮስ ፍሰሃየን መሓመድ-ብርሃን ዓ/ቓድርን ዝመርሑዎ ኣብ ዓ.ብርጣንያ ክሊቴኣዊ ናይ ጨናፍር ሽማግሌታት ኣራኺቦም ነቲ እናማዕበለ ዝመጸ ዝምድናታትን ስኑድ ስምምዓትን ኣብሪሆምን ንዝመጽእ ዕማማት ብኽመይ ክካየድ ትጽቢት ከም ዝግበረሉን፡ ኣድላይነት ተሳትፎ መሰረታትን ኣብሪሆም ምምባሮም ዝዝከር ኢዩ፡፡ ብሰንበት ዕለት 04/05/2008 ድማ እታ ቦታዊት ናይ ሓባር ሽማግለ ነብሳ ብድሕሪ ምስራዕ ንኹሎም ነባሮ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ-ሰ.ባን ሰ.ዴ.ኤን ብምዕዳም፡ ነቲ ብላዕሎዎት ምሪሒነታት ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዓትን ብኣወሃሃዲት ሽማግለ ዝወጸ በብመድረኻት ዝተኽፋፈለ ናይ ስራሕ መደባትን፡ ብጥርኑፍ ንትግባሬኦም ክውሰኡ ዘሎዎም ንጥፈታትን ሕድ-ሕዳዊ ምልላይን ዝዓልመ እዩ ነይሩ፡፡
ኣብዚ ኣኼባ እዚ ስሪዒታውያን ሓለፍትን ኣባላት ክሊቲኡ ኣካላትን (ሰ+ው) ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰ.ዴ.ኤ. ብትጾት መሓመድ-ብርሃን ዓ/ቓድርን እስማዒል ገባይታን ቴድሮስ ፍሰሃየን ተሳቲፎም፡፡ ኣባል ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ሽማግለን ብጻይ ቴድሮስ ፍሰሃየ ምሳና ምውዓሉ እውን ንሓበሬታን ኣፍልጦናን ኣዕዚዝዎ’ዩ፡፡
ነቲ ኣኼባ ኣ/መምበራት ጨናፍር ጎይትኦም መብራህቱን መጎስ ብርሃነን ምስ ኣባል ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ብጻይ ቴድሮስ ፍሰሃየ እናተሓባበሩ ከማእክልዎ ከሎዉ ሓላፊ ስርርዕ ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ.- ሰ.ባ ብጻይ መንሱር ዑመር’ውን ብምስናድ’ዩ ተሓባቢሩ፡፡
ነቲ ካብ 2004 እናማዕበለ ዝመጽአ ዝምድናን መሪሕነታዊ ዘተን ርኽክባትን፡ ንምጽባብ ክህሉ ዝኽእል ዝበሃል ፍልልያት ኣብ ምጽባብ ጥራይ ዘይኮነስ ዝጥርጠር’ውን መሰረታዊ ፍልልይ ከምዘይኮነ ምርግጋጽ ዝነበሮ ግደን ተራን፡ ብድሕሪ ምብራህ፡ ብድሕሪ ሕዺ’ውን ንእንእምቶ ንመንፈስን ትሕዝቶን ኣረዳዳድኣን መሪሕነታዊ ርኽክባትን ስኑዳት ውዑላትን ብዘንጸባርቕ መብርሂ ተዋሂቡ፡፡ ነቲ ብላዕለውይቲ ኣወሃሃዲትሽማግለ ካብቲ ግዙፍ ናይ ክሊተኣዊ ውዕላት ሰነድ ዝተጸምቀ ጽሑፍ’ውን ንኣኼበኛ ተነቢቡ።
ብዙሓት ሙኩራት ካድራት ክሊቲኡ ውድብን ሰልፍን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ከም ምንባሩ መጠን ኣብ ግዜ ሕቶን ርእይቶን፡ ተስሪዕካ ምቅላስ ብዘየቃናጽብ፡ ሃገር ቅድሚ ውድብ ዘተኮረ ኮይኑ፡ መሃርን ተመሃርን ዘይኮነስ ኣሳታፊ ምይይጥ እዩ ነይሩ፡፡ ገለ ካብ ርእይቶታት ኣሰካፊ’ውን ክበሃል ዝከኣል ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ ተሞክሮና ብዙሓት ናይ ስምምዕ ውዕላት ሪኢና ብዙሕት ክፈርሱ ክሎው ግለ’ሞ ኽኣ ኣኼባ ተወዲኡን ናይ ፍልልይ ኣዋዻት ክቀዳደሙን እና ሪኣኢና’ሞ ካብዚ ዘድሕነና ነቲ እንመባጽዖ ዘሎና ብተግባር ገግዴና እንተ ጌርና እዩ ኢሎም፡፡ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓባራዊ መደባት ኣብ ፍጻሜኦምምስ እንነጥፍ፡ ብሓድሽ ናይ ቃልሲ ንያት ተመሪሕና ባህግታት ህዝብና ክንምልስን መንገዲ ዓወትና ከነቃላጥፍን ክንክእል ነፍሲወከፍ ሓላፍን ኣባልን ክሊቲኡ ውድባት ንዝጽበዮ ዘሎ ዕማማት ክብድህ ድሊዊ ምኻኑ ተመባጺዑ፡፡ ብጸይቲ መሪየም ስብሓትለኣብ ኣባል ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ ኣብ ማንቸስተር እውን ብርእይቶይ ኩልና ኣባላት ብሓፈሻ ኣብ ሓደ ኣክባቢ እንርከብ ድማ ብፍላይ ናይ ተሌፎናት ቁጽሪ ምልውዋጥ ጌርና ነቶም ክንነጥፈሎም ዘሎውና ዕማማት ንምዕማቕን ናይ ሓባር ተረድኦ ንምጥራይን ክሕግዘና ይኽእል’ዩ በለት እሞ ኣኼበኛ ተቐበሎ’ሞ ዝተረፈ ድማ ነታ ቦታዊት ናይ ሓባር ሽማግለ ሓላፍነት ሃባ፡፡
ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉ ብዙሓት ኣባላትን ሓለፍትን ነዊሕ ጉዕዞ ተጋዒዞም’ዮም (ሊድስ፡ ማንቸስተር፡ በርሚንግሃም… ወዘተ) ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም፡፡ እዚ ድማ ነቲ ናይ ሓድነት ስምምዕ ክንደይ ዕዘት ከም ዝሃብዎ እዩ ዘመልክት፡፡
ኣብ ኩሉ ምይይጣትና ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሲ ሓሳብ ድማ ብመድረኻት ዝተኸፋፈለ መደባት ሓድነትና ክሳብ ሓደ መሪሕነት ምጥራይ ንኻላኦት ኤርትራውያን (ውድባት ይኹን ሲቭካዊ ማሕበራት) ኣብነት ኮይኑ ዝዕድምን ዘይነፍግን ንምዕዋት ኤ.ዴ. ኪዳን ዘዕዝዝን ዘራጉድን ክኸውን ከምእንኣምን ከነብርህን ቃንቃና ዝሕደሰሉን ክኽውን ከም ዘሎዎ ኣኬበኛ ኣስሚሩሉ፡፡
ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ሎሚ መኸተና ንምፍሻል ገባቲ ምኸተ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኩሎም ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኩሉ ኣኼበኛ ከርክብ፡ ንዕለት 24/05/08 ኩልና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንነብር ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብሓባር በዓል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ምድላዋት ተገይሩ ምህላዉ ብምሕባርን ብዝኽረ ስው ኣት ኣኼባ ተዛዚሙ፡፡
ናይ ሓባር ቦታዊት ሽማግለ ሰ.ዴ.ኤን ተ.ሓ.ኤ.- ሰ.ባን ሎንዶን ዓ.ብ. |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|