መበል 17 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

20.05.2008

 

ተኻታተልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ዝፈጸምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግፍዕን ኵሉ መዳያዊ ጭቆናን ኣንገፍጊፍዎ፡ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ብ1961 ዓ.ም ፍትሒ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ንምንጋስ ብረታዊ ተጋድሎኡ ዘበገሰ ምዑት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪርን ጽንኩርን ከቢድ መስዋእቲ እተኸፍሎን ቃልሲ፡ ብግንቦት 1991 ዓ.ም ንመላእ መሬቱ ካብ ህላወ መግዛእታዊ ስርዓት ሓራ ንምግባር በቒዑ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 17 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝበርሀ ሓቂ እንተደኣሃልዩ፡ ሓራ ዝወጸ፡ መሬት ኤርትራ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኰነ ኢዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ “ሓራ ኣውጺአካ ኢየ” እናበለ ዝጅሃር ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ፡ ካብ መዋእል መግዛእቲ ዝሓሰመ እንተዘይኰይኑ ዝሓሸ ከምዘይኰነ፡ ሃለዋት ህዝብና ባዕሉ ዝምስክሮ  መሪር ሓቂ ኢዩ። ስእነተ-ስራሕ፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ምብትታን፡ ውግእን ወረ ውግእን ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብና ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ራእይ ህዝብና ኰነ፡ ትጽቢታቱ ህዝብና፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት ክትወድቕ’ያ ዝብል ኣይነበረን።

 

ራእይ ህዝብና፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዝሰፈና፤ ምስ ጐረባብታን ዓለምን ብሰላምን ምክብባርን እትነብር፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታታን ዘይዜጋታታን ዝኽበረላ ሃገር ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ራእይ’ዚ ክውን ንምግባር ከኣ’ዩ፡ ኤርትራዊ እታ ልዕሊ ኵሉ ነገር ዝፈትዋ ህይወት ንመስዋእቲ ዝኽፈለን፤ ብጽንዓትን ብሓቦን ብፍቕርን ንዅሉ ጸገማት ተጻዊሩ ዝተቓለሰን። ድሕሪ ናጽነት ውን እንተዀነ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ሃገሩ ንምህናጽ ኣእሙራውን ጕልበታውን ገንዘባውን ዓቕሙ ከበርክት ብክብ ዝበለ ናህሪ ተበጊሱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ነገሩ ግን፡ “ንማይ ዝበልካዮስ፡ ንነጐዳ ኰይንዎ”፡ ብሕሱማት ኣእዳው ዲክታቶርነት ይጭፍጨፍ ኣሎ።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሕሪ ናጽነት ብኡ ንብኡ፡ “ምዕራፍ ብረታዊ ተጋድሎ ኣኽቲሙ፡ ሓድሽ ናይ ሰላማውን ዲሞራስያውን መድረኽ ተኸሲቱ ስለዘሎ፡ እቲ ንመግዛእታዊ ሰራዊት ንምብራር ኣልዒልናዮ ዝጸናሕና ብረት ዕማሙ ዛዚሙ ኢዩ” ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ፡ ንሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ዘለዎ ቅሩብነት ብወግዒ ገሊጹን፤ ብረቱ ንቁልቍል ደፊኡን ምንባሩ ውን ካልእ ክከሓድ ዘይኽእል ሓቂ ኢዩ። ብ1999 ዓ.ም፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብመንግስቲ ናርወይ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰልፍታትን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ምስ ስርዓት ኤርትራ ንምልዛብ ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ ኢዩ። ሕጂ ውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ’ቲ ካብ 5-11 ግንቦት 2008 ዘካየዶ ሓድነታዊ ጕባኤኡ ነዚ መርገጽ’ዚ ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ።

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ 20 ሰነ 1991 ዝሃቦ “ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ኢና” ዝብል መግለጺ እምበኣር፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ሕጂ ህዝብናን ሃገርናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕማቕ መነባብሮ ኢዩ። ናይ ህዝብና ራእይን ሕሊናን ጽንዓትን ዘምከነ እኳ እንተዘይተባህለ ንግዚኡ ዝዓንቀጸ ኣሉታዊ መርገጽ ምንባሩ ግን፡ ክሕከኽ ዘይክእል ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ከም ኵሎም ስርዓታት ሓላፊ ኢዩ። ናይ ህዝብና ድሌት ንናጽነትን ሰላምን ዲሞክራስን ብልጽግናን ስብኣዊ ክብርን ግን ንዘልኣለም ነባሪ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ኢና እቲ ስርዓት ግዝያዊ ዕንቅፋት ደኣሉ ፈጢሩ እምበር፡ ንመስርሕ ናይ ለውጢ ክዓግት ኣይክእልን ኢዩ ንብል። ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ባህግታትን ትጽቢታትን ህዝብና ክዕወት ታሪኻዊ ግድነት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ውን ከም ትማሊ፡ ተቓሊሱ መሰላቱ ክምንዝዕ ምዃኑ ንሓንቲ ህሞት ውን ትኹን ተጠራጢርና ኣይንፈልጥን ኢና።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ህዝብና፡ ካብ ጐበጣ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ዘካየዶ ቃልስታት  እንቋዕ ብዓወት ተዛዘመ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽትና እናመሓላለፍና፤ ምሉእ ሓርነቱን ናጽነቱን ንምንጕንጻፍ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘካይዶ ዝሎ ቃልስታት ከሐይልን፤ ኣብ ጐድኒ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ደው ብምባል ንዕምሪ ናይ’ቲ ስርዓት ንምሕጻር ብጽንዓት ክቃለስን ድማ ንጽውዕ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com