|
ኤርትራ
ኣብ ዘራግን ፍሹልን መጥቃዕቲ እምዱርማን ሱዳን ኢድ ከም ዝነበራ ተነጺሩ
ቤት.ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ
14.05.2008
እቲ
ብ11
ግንቦት
2008 ኣብ
ከተማ
እምዱርማን
ሱዳን
ብሓይልታት
ምንቅስቃስ
ንማዕርነትን
ፍትሕን
ዳርፉር
ዝተኻየደ
ፍሹል
መጥቃዕቲ
ኢድ
ኤርትራ
ኔርዎ
ክብል
ሓደ
ካብ
ላዕለዎት
ሓለፍቲ
ምንቅስቃስ
ፍትሕን
ማዕርነትን
ዳርፉር
ከም
ዘቃልዐ፡
ኣብ
ሱዳን
ዝመደበራ
ብቋንቋ
ዓረብ
እትሕተም
ጋዜጣ
ኣልወጠን
ሓቢራ።
ላዕለዋይ
በዓል
ስልጣን
ምንቅስቃስ
ፍትሕን
ማዕርነትን
ዳርፉር
ነቲ
ኣብ
ከተማ
እምዱርማን
ሱዳን
ኣብ
ዝሓለፈ
ሰሙን
ዝተኻየደ
ፍሹል
ወተሃደራዊ
ስርሒት
ኣመልኪቱ
ኢድ
ኤርትራ
ከም
ዝነበሮ
ክናዘዝ
እንከሎ፡
ሓላፊ
ውሽጣዊ
ጉዳያት
ሱዳን
እንጅነር
እብራሂም
ማሕሙድ
ሓምድ
ውን
ብወገኑ
እተን
ብድሕሪ
መጋረጃ
ናይዚ
ፍሹል
ፈተነ
ዝነበራ
ሃገራት
ኤርትራን
ቻድን
ምዃነን
ንጸጥታዊ
ምንጭታቱ
ምርኩስ
ብምግባር
ሓቢሩ።
እቲ
ብሰኑይ
12
ግንቦት 2008
ካብ
ኤርትራ
ናብ
ሱዳን
ኣብ
ዝሰልኮሉ
ዝነበረ
ኣጋጣሚ
ኣብ
ከተማ
ከሰላ
ኣብ
ትሕቲ
ቀይዲ
ሓይልታት
ጸጥታ
ሃገረ
ሱዳን
ዝወደቀ
ላዕለዋይ
ወተሃደራዊ
መራሒ
ምንቅስቃስ
ንማዕርነትን
ፍትሕን
ዳርፉር
ከም
ዘቃልዖ፡ 1500
ዝቁጽሮም
ሰራዊት
ናይቲ
ምንቅስቃስ
እቲ
ኣብ
ከተማ
እምዱርማን
ዝተኻየደ
ፍሹል
መጥቃዕቲ
ምስ
ዝዕወት
ናብ
ምብራቃዊ
ሱዳን
ኣትዮም
ንመንገዲ
ፖርትሱዳንን
ካርቱምን
ብምብታኽ
ናብ
ፖርትሱዳን
ገስጊሶም
ነቲ
ወደብ
ኣብ
ትሕቲ
ቁጽጽሮም
ንምእታው
ብምውጣን፡
ኣብ
ዶብ
ኤርትራን
ሱዳንን
ኣብ
ተጠንቀቅ
ከም
ዝቀነዩ
ኣቃሊዑ።
እቲ
ኣብ
ትሕቲ
ቀይዲ
ጸጥታ
ሓይልታት
ሱዳን
ዝወደቀ
ላዕለዋይ
ወተሃደራዊ
ኣዛዚ
ምንቅስቃስ
ንፍትሕን
ማዕርነትን
ዳርፉር፡
ኣብ
ዝተታሕዘሉ
እዋን
ሱረያ
ዝበሃል
ምዕቡልን
ዘይጥለፍን
ሬድዮ
ርክብን
ብርክት
ዝበለ
ዶላር
ገንዘብን
ሕዙ
ከም
ዝተረኽበ
እቲ
ጸብጻብ
ብተወሳኺ
ሓቢሩ።
እዚ
ላዕለዋይ
ሓላፊ
ኣብ
ትሕቲ
ቀይዲ
ዝወደቀ
ሓደ
ካብ
ወነንቲ
ሆቴላት
ከተማ
ከሰላ
ካብ
ጥርጣሬ
ብምብጋስ
ናብ
መንግስቲ
ድሕሪ
ምሕባሩን
ድሒሩ
ብዝተገብረሉ
ምርመራን
ምኻኑን
ከኣ፡
እቲ
ምንጪ
ብተወሳኺ
ኣነጺሩ።
በዚ
ምኽንያት
ከኣ፡
ኣውራጃ
ቀይሕ
ባሕሪ
ሱዳን
ኣብ
ልዑል
ጸጥታዊ
ተጠንቀቅን
ናይ
እቶ
እቶ
ሰዓታትን
ኣዊጃ
ከም
እትርከብ
ከኣ፡
እቲ
ዝተረኽበ
ጸብጻብ
የነጽር። |