|
ኣኼባ ምምስራት ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
13.05.2008
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ግንቦት 2008፡ ምስ ሕጹያት ሰልፊ
ተቐማጦ ስቶክሆልም ኣኼባ ተኻይዱ። ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ንኣባላት ሕጹያት ሰልፊ ነንሕድሕዶም ንምልላይን፡ ብዛዕባ
ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ዓሚምዎ ዘሎ ስራሓት ንምግላጽን፤ ከምኡ ውን፡ ካብ ኣባላት ክህሉ ዝኽእል ሕቶን
ርእይቶን ምስማዕን ኢዩ ነይሩ።
ብጾይ
ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ፡ ኣባል ኮሚሽን ምምስራት ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ
ሰልፊ ንህሉው ኩነታት ውድብናን ምስረታ ሰልፊ ብዝምልከት ሰፊሕ መገለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ኣኼባ ብርክት
ዝበሉ ሕጹያትን ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣባላት
ውድብን ሕጹያት ሰልፍን ብሓባር ነቲ ዝምስረት ሰልፊ ከይሰልከዩ ክሰርሑን ክጽዕሩን ምዃኖም ቃል ኣትዮም። እቲ
ንመስራቲ ጉባኤ ሰልፊ ዝግበር ወፈያ’ውን ድሮ 1000 ክራውን ወይ ከኣ 100 ኤውሮ ክኸውን እቲ ናይ ዕለት 3
ኣኼባ ወሲኑ ኣሎ።
ቀጺሉ፡
ብዕለት 1 ግንቦት 2008 ቲቪ ዘተ ብዘቅረቦ ዕድመ መሰረት፡ ብጻይ ተኽለ መለኪን ንውድባዊ ጉዳያት፡ ኣንቶንዮ
ተስፋይ ድማ ንናይ ምምስራት ሰፊሕ ህዝባዊ ሰልፊ ዝምልከት መግለጺታት ኣቕሪቦም። እቲ ብፍሉይ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ
ፈነወ ቲቪ ንተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶን ጉዕዞ ምምስራት ሰልፍን ኣብ ስቲድዮ ተቐሪጹ፡ ብዕለት 4 ግንቦት ድማ ከም
ዘለዎ ንህዝቢ ቀሪቡሉ። ኣብ’ቲ መደብ ቲቪ ዘተ ኣገዳሲ ዝዀኑ ሕቶታት ቀሪቦም ብኡ መሰረት ከኣ ንህዝቢ ስፍሕ ዝበለ
መብርሂ ቀሪቡሉ።
ኣስዒቦም፡ ብዕለት 4 ግንቦት 2008 ኣብ መደብ ፈነወ ቲቪ ኣዳል መገለጺ ሂቦም። ኣብ’ቲ ፈነወ መደብ ቲቪ ብጻይ
ተኽለ መለኪንን ብዛዕባ ናይ ዕለት 5 ግንቦት ናይ ዝካየድ ኣኼባ ዘጠቓለለ መግለጺ ከቕርብ እንከሎ፡ ብጻይ ገብረ
ናሽሕ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሽወደን ከኣ ንምምስራት ሰልፊ ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። |