Nharnet Articles/Opinions

     

   

ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ኣብ ካርቱም ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ኣጋጢምዎ

 

መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

 

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

 

 

C:\Documents and Settings\pc1\Desktop\Jemal 2_files\getimage.jpg

 

ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ካርቱም ካብ ዝነብር ኤርትራዊ ዘጋጠሞ ተቓውሞታት፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 17 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከቕርቦ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ምልዕዓል መደረ ከቋርጾ ተገዲዱ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ዕለት ብሙዚቓን ደርፍን ጥራሕ ብዘይ መደረ ተኸቢሩ ውዒሉ።

 

ብሰንኪ’ዚ ህዝባዊ ተቓውሞ’ዚ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብመንግስቱ ተመዚዝሉ ዝመጸ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ ኤርትራ ዝገልጽ ናይ ምልዕዓል መደብ ጠሪሱ ከተግብር ከምዘይከኣለ፡ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ከም ዘቃልዑ ተሓቢሩ።

 

እዚ ብ23 ግንቦት ኣብ ክለብ መኳንንቲ ሱዳን ዝተጋህደ ናይ ተቓውሞ ተርእዮ፡ እቲ ንበዓል ናጽነት ንምኽባር ናብ’ቲ ቦታ ዝመጸ ህዝቢ ሙዚቃን ደርፍን ክሰምዕን ክዘናጋዕን ደኣ’ምበር ካልእ ከምዘይኰነ፤ መንግስቲ ኤርትራ ክግንዘብ ከምዘለዎ ዝሕብር መልእኽቲ ኢዩ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ግዱሳት ባእታታት ርእይቶም ክገልጹ ተሰሚዖም።

 

በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ሱዳን ብወኪል መንግስቲ ኤርትራ፡ ዓብደላ ጃብር፡ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ጽንብላት ናይ በዓል ናጽነት ውን ክሳብ’ቲ ኵነታት ዝሃድእ ደው ክብል ከምዝተወሰነ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com