|
ኤርትራ ንተቃወምቲ ሶማል ንምብትታን ትነጥፍ
(ሼኽ ሸሪፍ- ኣቦ-ወንበር ኪዳን ንዳግመ-ምሕራር ሶማል)
ቤት.ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ
27.05.2008
ኤርትራ ውልቃዊ ረብሓታታ ንምምላእ
ንጉዳይ ህዝቢ ሶማል ክትሕንኩልን ነቲ ኪዳን ክትበታትንን ብስሩዕ ትነጥፍ ኣላ ክብል፡ ኣቦ-ወንበር ኪዳን
ንዳግመ-ምሕራር ሶማል፡ ሼኽ ሸሪፍ ኣሕመድ ሸሪፍ ትማሊ 26 ግንቦት ኣብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝተጋብአ ጋዜጣዊ ዋዕላ
ወቂሱ። ወሲኹ፡ ሼኽ ሸሪፍ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣዕናዊ ዝምባሌታትን ሓደገኛ ሸርሕን ከም ዘለዋ ብወግዒ ድሕሪ
ምግላጽ፡ እቲ ኪዳን ንዕላማታቱ ክዘርግ ዝፍትን ዝኾነ ይኹን ደገኣዊ ምትእትታው ከም ዘይቅበል ድማ ኣነጺሩ።
ብዘይካዚ ሼኽ ሸሪፍ ነቶም ነቲ ኣብ ጂቡቲ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ውሽጣዊ ስኒት ዝነጸጉ ወገናት ናይቲ ኪዳን
ብስርዓትን ቅዋምን ናይቲ ኪዳን ተማእዚዞም ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኽሳተፉ ጸዊዑ።
ከም ዝዝከር ገለ ካብ ኣባላት ኪዳን ንዳግመ-ምሕራር ሶማል ነቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ
ሶማልን ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ይፍለጥ። ሓደ ካብዞም ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝተቃወሙ
ከኣ፡ ሼኽ ሓሰን ጣህር ዕወይስ ምንባሩ ይዝከር። ከም ትጽቢት እዚ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መወዳእታ ናይዚ
ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ብመንጎኝነት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሕመድ ዊልድ ዓብዱላሂ ክቕጽል ምዃኑ ይፍለጥ።
|