|
ሶማልያ፡- እስላማዊ መራሒ፡ ኤርትራ ንምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር ሶማልያ ንምክፍፋል እተካይዶ ዘላ ፈተነታት ደው
ከተብል ጸዊዑ
መርበብ ሓበሪታ ሸበለ
25 ግንቦት 2008
ኣቦ መንበር ምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር
ሶማል፡ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብእ ዝምራሕ ዘሎ ልፍንቲ ንምክፍፋል ትፍትን ከምዘላ
ኣቃሊዑ።
ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ’ቲ
ምሕዝነት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳኣት፡ ኤርትራ ተሓታቲት ምዃና ሸኽ ሸሪፍ ኣብ’ኢ ኣብ ጅቡቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ
ኣረጋጊጹ። ገለ ኣባላት መሪሕነት ናይ’ቲ ምሕዝነት፡ ነቶም ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ፍሹል ልዝብ ዝተሳተፉ መራሕቲ
ናይ’ቲ ምሕዝነት ኣይውክሉናን ኢዮም ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።
“ገለ ኣባላት ናይ’ቲ መሪሕነት፡ ኣብ
ውሽጢ እቲ ምሕዝነት ፍልልይ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ሶማል ብምትሕልላፎምም ይቕሬታ እሓትት” ክብል ሸኽ ሸሪፍ
ኣብ’ቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ነቶም ከም’ዚ ዝገበሩ ዘለዉ መራሕቲ፡ ንሓድነት ናይ ህዝቢ ሶማልን ንሓድነት
ናይ’ቲ ምሕዝነትን ካብ ዝዝርግ ተግባራት ክቝጠቡ ጸዊዑ።
“ኤርትራ ነዚ ምሕዝነት’ዚ ኣብ
ምምስራት ዝገበረትልና ምትሕብባር ነመስግን ኢና፤ ግን ከኣ፡ ገለ ሕማቕ ተግባራት ክሰርሑ ውን ንርኢ ኣሎና’ ኢሉ
ሸኽ ሸሪፍ።
ነቲ ብ1990 ኣብ ልዕሊ ሶማልያ
ብሕቡራት ሃገራት ተነቢሩ ዝነበረ ናይ መሳርያ ምእታው እገዳ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያን መንግስቲ ኢትዮጵያን
ጥሒሰንኦ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ወቐሳ ውን ኣመጒሱ።
“ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ መለስ
ዜናዊ ጅሃዳውያን ከይተሳዕሩ ሰራዊትና ካብ ሶማልያ ኣይወጹን ኢዮም ምባሉ ዘገርም ኢዩ። ብሓይሊ ካብ መሬትና
ምውጻኦም ድማ ኣይተርፎምን ኢዩ” ይብል ሸኽ ሸሪፍ።
እዚ
መግለጺታት ናይ ሸኽ ሸሪፍ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ናይ ምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር ሶማልያ ዘይምርድዳኣት ተፈጢሩ ኣሎ
ዝብል ዜናታት ኣብ ዝናፈሰሉ ዘሎ እዋን ኢዩ
|