|
ኣብ ቀርኒ
ኣፍሪቃ፡ ጅቡትን
ኤርትራን
ኣብ
ዶባተን
ገጽ
ንገጽ
ይጠማመታ ኣለዋ
ብጀፍሪ
ጀትልማን
ኢንተርናሽናል
ሀራልድ ትሪብዩን
ትርጕም፡-
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ


ኣብ ዶብ ጅቡቲን ኤርትራን፡- ኣብ
መንጐ’ቶም ዝሰሓሓቡ ዘለዉ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ሰራዊታት ዘሎ ርሕቀት ካብ ሻምብቆ ናይ ብረት ዝሓጸረ ኢዩ። በማእት
ዝቝጸሩ ሰራዊታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ካብ ሓደ ኢንች ወይ 2.4 ሰንቲሚተር ዘይነውሕ ርሕቀት ኰይኖም ኢዮም
ዝጠማመቱ ዘለዉ።
ኣብ ሓደ ሸነኽ፡ ከቢድ ኣጽዋር
ዝተዓጥቁ፡ ናይ ማይ ብራሾታት ዘለዎምን ናይ ወተሃደር ጫማ ዝለበሱን ሰራዊት ጅቡቲ፤ ኣብ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ደሮና
ዝተኸድኑ፡ ሽዳ ዝለበሱ ቀጠንቲ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ብሳዕሪ ዝተሰርሐ ዳስ ከጽልሉ ይርኣዩ።
ከም’ቲ ኣብ መንጐ ክልተ ናይ ዶብ
ወጥሪ ዘለዎም ሃገራት ዝህሉ ልሙድ ርሕቀት ኣብ መንጐ ሰራዊታት ጅቡትን ኤርትራን ኣይርአይን ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ እዞም
ከቢድ ዕጥቂ ዘለዎም ወተሃደራት እዚኣቶም፡ ኣብ ሓደ ሰንሰለታዊ ኩርባ ተጸፍጺፎም ነንሕድሕዶም ይጠማመቱ ስለዘለዉ፡
እቲ ኵነታት ውጡርን ቅሳነት ዘይህብን ኢዩ።
“ክርድኣካ ዘይክእል ኵነታት ኢዩ”
ይብል ሓደ ናይ ጅቡቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ዝዀነ መጀር ዩሱፍ ዓብደላ።
ኣብ’ዚ ህዝቢ ዘይነብሮ ብዘይካ ሑጻ
ካልእ ዘይርክቦ ምድረ-በዳ፡ ኣብ መንጐ ዳዊትን ጐልያድን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ክልተ ንኣሽቱ ዳዊታት (ሃገራት)
ናብ ውግእ ገጹ ዘምርሕ ሓደጋታት’ዩ ዝሰርብ ዘሎ። እቲ ጸገም ከኣ፡ እዚ ሑጻ’ዚ ኣብ ጥቃ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት
ዘለዎ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ዝባራዕ ውግእ፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ጽዑቕ ዝዀነ
ናይ ባሕሪ መጕዓዝያታት ዝእንግድ መስመር ንሓደጋታት ዘቃልዕ፡ ነቲ ብግርጭትን ብድርቅን ዝልለ ኣብ ዞና ቀርኒ
ኣፍሪቃ ዝርከብ ድሮ ውን ብጥሜት ክጥቃዕ ጀሚሩ ዘሎ ተኣፋፊ ዞና ሚዛን ሓይሊ ዝቐያይር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
እዛ 700,000 ተቐማጦ ዘለዉዋ ጅቡቲ
ብፈረንሳን ኣመሪካን ኢያ ትድገፍ። ክልቲአን መንግስታት ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መደበራት ኣለወን። ሓሙሽተ ሚልዮን
ዝኸውን ተቐማጦ ዘለዉዋ ኤርትራ ድማ፡ ድሮ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ትርከብን፤ ኣብ ሶማልያ ዕግርግር
ትፈጥር ኣላ ተባሂላ ትኽሰስን ኢያ ዘላ።
ጅቡታውያን፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ
ጥሪ ኢያ ወሪራትና ይብሉን፤ ንኤርትራ ምስ ኵለን ጐረባብታ ትፋሓናጠር ኣላ ኢሎም ክኸሱን ኢዮም ዝስምዑ። ኤርትራ፡
ወይ ካብ ውግእ እትረኽቦ ረብሓታት ኣለዋ፡ ወይ ድማ፡ ናይ ዶብ ሕማም (ጽላለ) ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ይብሉ።
ኤርትራውያን ግን ብዙሕ ክብሉ
ኣይስምዑን ኢዮም። እተን ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ዝተዋህባ መግለጺታት ብወገን ኤርትራ ዝተፈጸመ ጌጋታት የለን ዝብል
ኢዩ። ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዜና ማዕከናት፡ ነዚ ኣሎ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዘሎ ናይ ዶብ ወጥሪ፡ ካብ ባዶ
ዝተበገሰ ፈጥራ’ዩ ኢለን ክገልጽኦ ኢየን ዝስምዓ።
ወጥሪ ምህላዉ ግን ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ኩሹክ ኣብ ርእሶም ዝጠምጠሙ ብረቶም ዘወጣውጡ በማእት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ’ቲ ዶባት ኣለዉ። ኣብ’ዚ
ቀረባ እዋን፡ ነቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶባት ክዕዘቡ ናብ’ቲ ዶባት ዝመጹ ጋዜጠኛታት ነይሮም ኢዮም። “ዝዀነ ይኹን ስእሊ
ከይትወስዱ” ክብል ሓደ ናይ ኤርትራ ወተሃደር ኣጠንቂቕዎም። እቶም ጋዜጠኛታት ንዘቕረብሉ፡ ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ እንታይ
ትገብሩ ኣለኹም ዝብል ሕቶ፡ “እንግሊዘኛ ኣይፈልጥን” ኢየ ብዝብል መልሲ ሓሊፍዎ።
እቲ ዘስሓሕብ ዘሎ ቦታ፡ ጋብላ ወይ
ራስ ዱሜራ ዝተባህለ ኵርባን ሰብ ዘይነብረላ ግን ሓሓልፎም ገፈፍቲ ዓሳ ዘዕርፉላ ዱሜራ እተባህለት ንእሽቶ ደሴትን
የጠቓልል። ብዘይካ ሑጻ ካልእ ዝርአ የብሉን። ንገማግም ባሕሪ ተቐኒቱ ንኣሽሓት ኪሎሚተራት ዝቕጽል ሑጻ ጥራሕ ኢዩ።
ንፋስ ተሰኪሙ ዘምጽኦ ሑጻ ይግጭበካ፡ ሙቐቱ ድማ ካብ 110 ዲግሪ ፋራንሃይት ንላዕሊ ኢዩ።
ሽሕ’ኳ፡ ነዘን ክልተ ሃገራት እዚኣተን
ኣብ ማፕ ክትረኽበን ኣጸጋሚ እንተዀነ፤ እቲ ዝገርም ግን፡ ሽግረን ውን ናይ ማፕ ወይ ዶብ ምዃኑ ኢዩ። ክኢልታት፡
ዶባተን ብግቡእ ኣይተሓንጸጸን ኢዮም ዝብሉ። ኣየናይ መሬት ንመን ይብጻሕ ዝብል ሕቶ፡ ቅድሚ 100 ዓመት ኣቢሉ
ገዛእቲ መንግስታት ፈረንሳን ጣልያንን ብዘውጽእዎ ዘይብሩህ ኣዋጃት ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ
ፈረንሳ ንጅቡቲ፡ ጣልያን ድማ ንኤርትራ ይገዝኣ ነይረን።
ብመሰረት መግለጺ ጆን ዶናልድሶን፡
ኣባል ናይ ሓደ ብዛዕባ ናይ ዶብ ጐንጽታት ዘጽንዕ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ትካል ዝዀነ ናይ ኣህጕራዊ ዶባት ተመራማሪ፡
ኣብ 1901 ዓ.ም ንዱመይራ ዝዀነ ይኹን ሳልሳይ ኣካል ከመሓድራ ከምዘይፍቀደሉን፤ ናይ ዶብ ምንጻር ጕዳይ ኣብ
ካልእ ግዚ ክካየድ ምዃኑን ኣብ መንጐ መንግስታት ፈረንሳን ኢጣልያን ኣብ ስምምዕ ከምእተበጽሐ ይጠቅስ።
“ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ጕዳይ ኢዩ”፡
“እቲ ጕዳይ መዛዘሚ ከይተገብረሉ ተንጠልጢሉ’ዩ ጸኒሑ” ይብል።
ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ፡ ኤርትራውያን ካብ
ክፍላ 1990ታት ጀሚሮም ኢዮም ናይ ቀደም ሰነዳት እናምጽኡ እዚ መሬትና’ዩ ክብሉ ዝጀመሩ ይብሉ። ሰበስልጣን ጅቡቲ
ግን፡ ኣብ 1897 ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ፈረንሳን እተገብረ ስምምዕ፡ ዱሜራ ኣካል ናይ ግዝኣት ፈረንሳ ምዃና ኢዩ
ዝጠቅስ ይብሉ።
መንግስቲ ጅቡቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ
ኤርትራውያን ጽርግያ መስርሒ ዝኸውን ሑጻ ንምውሳድ ዶብና ሰጊሮም ንኽኣትዉ ሓቲቶምና። ብድሕሪኡ ግን፡ ኣብ ሓደ
ኩርባ ዓስክሮም መዛግብ ምፍሓር ጀሚሮም ይብል። ብኻልእ ኣገላልጻ ኣታሊሎምና ይብል ኮለነል ዓሊ ሱባነህ ቺሪዶን፡
ኣዛዚ ሰራዊት ጅቡቲ ኣብ ዶብ።
እዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኤርትራ ምስ
ጐረባብታ እትፍጽሞ ዘላ ንሰናይ ጕርብትና ዝጻረር ተግባር ኢዩ። ኣብ 1990ታት ኤርትራ ብሰንኪ ደሴታት ሓኒሽ ምስ
የመን ኣብ ጐንጺ ኣትያ፤ ኣብ ምዕራባዊ ዶባታ ምስ ብሱዳን ዝድገፉ ተቓወምታ ተዋጊኣ፤ ብሰንኪ ባድመ፡ ምስ’ታ ኣብ
ደቡብ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝበዝሐ ተቐማጦ ዘለዋ ኢትዮጵያ ውን ተዋጊኣ። ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ልዕሊ 100,000
ዝኸውን ህይወይ ሃሊቑ። ጌና ውን፡ እቲ ውግእ መዕለቢ ኣይተረኽቦን ዘሎ።
|