Nharnet Articles/Opinions

     

   

ኣኼባ ኑርንበርግ

28.05.2008

ኣብ ኑርንበርግን ከባቢኡን ዝርከብ ጨንፈር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ዞባ ጀርመን ዝጸውዖ ኣኼባ ናይ ህዝቢ ብዕለት 24 ጉንበት 2008 ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብተጋዳላይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን ሙሴ ሰመረ ኣባል ሓባራዊ ኮምስዮን ምስረታ ሰልፍን ዝተመርሐ ኢዩ ነይሩ። ኣኼባ ብጸይቲ ትዕበ ተኪኤ ሓላፊት ጨንፈር ኑርንበርግን ከባቢኡን ብዘቕረበቶ ምስጋና ንተሳተፍትን ሌላን ድማዩ ተኸፊቱ።

  ቀጺሉ ብመጀመርታ ብኸምዚ መልክዕ ኤርትራውያን ተራኺብና ብዛዕባ ጉዳይና ክንላዘብን ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥን ንኽንራኸብን ዝገበሩ ብጾት ኣባላት ጨንፈርን ተሳትፍትን ድሕሪ ምምጓስ፡ “ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ 17 ዓመታት ልክዕ ኣብዚ ዕለትዚ፡ ሰራዊት መግዛእቲ ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ዝወጸሉን፡ ነቲ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር መስዋእትን ህልቂትን፡ መቁሰልትን ስንክልናን፡ ስደትን ሕሰማቱን ሰጊርና ሽግ ናይ ነጻነት ኣብ ሃገርና ዝተወላዓሉ መዓልቲ ኢዩ። ነጻነት ኤርትራ ድማ፡ ዋላዃ ብልዑል ወታሃደራዊ ተራ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ይረጋገጽ ዳኣምበር፡ ከምቲ መራሒ ህግዲፍ ዝብሎ ዘይኰነስ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብዘፍቕዶ ተቓሊሱ ዘረጋገጻ መዓልቲ ስለዝኾነት፣ ንኹልና ብማዕረ እትብጻሓና ክብርቲ ዕለት ስለዝኾነት፥ ከነኽብራ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕላዋ ዘለና ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ግዝኣት፥ ንሕድርን መብጻዓን ህዝቢ ኤርትራን ቃልስታቱን ጠሊሙ ከብቕዕ፡ ብውግእን ትምክሕትን ተላዕጢጡ፡ ነቲ ወላድ ኤርትራ ዘፍረየቶም ጀጋኑ ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ሓራ ዘውጽእዎ  ጎቦታትን ናይ ውግእ ቦታትን ብስእሊ ኣስንዩ ንህዝቢ ኣኪቡ ብጓይላን ዳንኬራን ንመዓልቲ ነጻነት ከብዕላ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናቱ ዝርኤን ዝስማዕን ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ንራኣዩለይ ስምዑለይ እንየዘይኰይኑ፡ ህዝብናስ ካብ ነጻነት ትጽቢቱ እዚ ዘይኮነስ፤ ብዝዋሓደ መባእታዊ መሰላቱ ተሓልዩ፡ ብዘይፍርህን ራዕድን ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር ኢዩ ሃረርታኡ ዝነበረ።

 

ንሕናን እቶም ከማና ዝኣመሰሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ገና ውጽኢት ቃልሲ ህዝብና ከምቲ “ንፈውሲ ኢሎም ዝሓረድዎስ ሓሞት ሳኣንሉ” ከም ዝብልዎ ኰይኑና ዘሎ ግን፡ እቲ ዝላዓለ ጸጋ ናይ ወዲ-ሰብ መሰልን፡ ክብርን ሓርነትን ኣብ ኤርትራ ገና ስለዘይተረጋገጸ፡ ብዝሓለፈ ጥልመት መለኽቲ ከይተሳናበድና፤ ነቲ ድሕሪ ነጻነት ብሰንኪ ብሓትን ጨቛንን ፖሊሲ ስርዓት ህግዲፍ ዝተፈጥረ ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታት በዲህና ኣብ ዑናታቱ ሓንቲ ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክንሃንጽ ስለዘለና፡ ሕጽረታትና ኮነ ኲነታት ህዝብና መዚና ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ጐደና ንምርካብ ክንላዘብ ምውዓልና፤ መንሃሪ ቃልስና ኰይኑ ክብርን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ” ክብል ብጻይ ንጉሰ ጸጋይ ንመዓልቲ ነጻነት ዝምልከት መግለጺ ኣቕረበ።

ኣስዒቡ ተጋዳላይ ንጉሰ ጸጋይ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ን6ይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ውሳኔታቱን ዘመልከተ ኰይኑ፡

  1. ስለምንታይ ኢዩ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጥራሕ ዘይተሓጽረ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ክምስረት ዝድለ ዘሎ፡
  2. ነዚ ኣብ ምርግጋጽ መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ መጽናዕትን ኣቚምዎ ዘሎ ሓባራዊ ኮምስዮን ሰልፍን፡
  3. ሓባራዊ ኮምስዮን ሰልፊ ክሳብቲ ዕለትቲ ዘሳላሰሎም ስራሓትን ትልምታቱን፡
  4. ተሳተፎ ኤርትራውያን ኣብዚ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ
  5. ምድላው መስራቲ ጉባኤ ሰልፍን መፈጸምታ ተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኣኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ከም ውድብን፡
  6. ዕላማታት ናይቲ ዝቐውም ሰልፊ እንታይ ምዃኑ፡
  7. ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን እወንታዊ ውጽኢቱን ተደላይነቱን፡ ንኽዕወት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ከበርክቶ ዘለዎ ጻኦርታትን
  8. ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝተበጽሐ ስምምዕን ኣወንታውነቱን፡ ዝኣመሰሉ ነጥብታት ብዝርዝር ኣቕሪቡ።                           

            

ኣስዒቡ፡ ሙሴ ሰመረ ኣባል ሓባራዊ ኮምስዮን ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ምቛም  ሰልፊ፡ ብመጽናዕቲ ኣሰንዩ ዘቕረቦ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩን ካብ ዘለዉን ምጣኔ ሃብታዊ ቅዋማትን ፍልልያቶምን ዘለዎም ዝምድናታትን፡ ኤርትራ ምስ ቀንዲ ምንጪ እቶታት ክትክተሎ ዝግባእ ዓይነት ቅዋምን ዘብርህ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ ኣቕሪቡ። ብመሰረቱ፡ “ምዱብ ምጣኔ ሃብታዊ ቅዋም፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ቁተባዊ ቅዋማት፥ ኣብ ምብራቓዊ ዓለም ዝተራእየን ዝነበረ ኣገባብ ኰይኑ፡ ምስ ኩሉ ክነብሮ ዝኽእል ኣወንታታት፡ ንውድድር ዘየፍቅድ፡ ንመዓልታዊ ተደላይነታት ህዝቢ ካብ መንግስቲ ዘጸቢ፡ ኣብ ተመኩሮ ድማ ዝወደቐ ብምዃኑ፤ ናይዚ እዋንዚ ተመራጺ ኣቛም ከምዘይኮነ ሓቢሩ። ኣብ መንጎቶም ዝተረፉ ክልተ ዓይነት ቁጠባዊ ኣማራጺ ቅዋማት፡ ነጻ ዕዳጋን ሕውስዋስ ምጣኔ-ሃብትን ዝባሃሉ ኣገባባት፡ ዘሎ ዝምድናን ፍልልያትን ምስ ቁጠባዊ መሰረትን ዕብየትን ሃገርና ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል፡ ነቲ ሰፊሕ ሓፋሽ ኣብ ሕርሻዊ መነባብሮ ዝነብር ኤርትራዊ ህዝቢ ክከላኸል ዝግባእ፡ ንኣዋፈሪቲ ርእሰ-ማል ድማ ክፉት ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ዝኸስት ዓይነት ቁጠባዊ ኣቛም ምሕንጻር ተደላዪ ምዃኑ ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ምቛም ኮምስዮን ሰልፊ ቀሪቡ ዘሎ ቁጠባዊ ቅዋም ኣገዳሲ እዃ ይኹንበር፡ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ንልዝብ ዝሰፈረ ኢዩ፡ እንታይ ዓይነት ኣቛም ክህልወና ኢዩ ንዝብል ግን፡ ገና ኣብ መስራቲ ጉባኤ ሰልፍና ክጸድቕ ዘለዎ ኢዩ” ክብል ሙሴ ሰመረ መግለጺኡ ደምዲሙ።  

              

ኣብዝቐረበ መግለጺታት ምርኩስ ብምግባር ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ መንጎ ግንባራዊ ኣከያይዳን ሰልፋዊ ውደባን፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ክንዲ ብሰልፋዊ ኣገባብ ብግንባራዊ ኣገባብ እንተዝግጠም ዶ ኣይምሓሸን፡ ዝቐውም ዘሎ ሰልፊ በየናይ ቅዋምን ሕግንዩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓደ ምውጽኡን ክሳብ ክንደይ ኣዐዋቲ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ሰውራዊ ባይቶ ዝበጽሖ ዘሎ ስምምዓትን ድሕሪ ጉባኤ ዝምረጽ መሪሕነት ሰልፍን፡ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክስለፍ ዘይምኽኣሉ፡ ድኽመት ናይተን ውድባት ድዩ ወይስ ናይ ህዝቢ ድልየት ዘይምሃላው ኢዩ፡ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ መንቀሊ ሕቶታት ክዀኑ ዝኽእሉ ነጥብታት እንዳተጠቕሱ ዘድሊ መብርሂታትውን ተዋሂቡ።

ተሳትፎ ኣኼበኛታት ንቁጠባ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ኣጀንዳ፡ ዝሕንጸጽ ቁጠባዊ ቅዋም ብመጀመርታ፡ እታ ሃገር ዘለዋ ባህርያዊ ሃብቲ ዘጽንዐ፡ ሃገር ብዘይሃብታማት ክትህነጽ ስለዘይካኣል፡ ንኣዋፈርቲ ርእሰ-ማል ነጻነት ናይ ምንቅስቓስ ዘፍቅድ፡ መንግስቲ ድማ ካብ ዝረኽቦ ግብርን ቀረጽን ንህዝቢ ዝናብየሉ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ንህዝቢ ኣድኪኻን ኣጥሚኻን፡ ነጻነት ናይ ሃብታማት ምንቅስቓስ ዓጺኻን ክትምዕብልን ክትብልጽግን እትኽእል ሃገር የላን፡ ዝብል ብሱልን ሓጋዝን ሓሳባት ቀሪቡ።

ኣብ መጠርስታ ንጽፈት ኣሰራርሓ ደንበ ተቓውሞን፡ ህዝቢ ብግቡእ ክግንዘቦም ዘለዎ ኣራኣእያታትን ዘሰነየ ጽሑፋት ምዝርጋሕ ዝብሉ ለበዋታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ብጸይቲ ትዕበ ተኪኤ ንኣኼበኛታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ቦታ ኣኼባ ረኺቡን ኣዳልዩን ብሓባር ንኽንውዕል ንዝገበረ ሓውን ብጻይን ምስጋና ብምቕራብ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ስዉኣት ከምዝድምደም ገይራ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com