ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ

         ጉንበት 31, 20008 ኣብ ኢንዲኣያና ፖሊስ

እቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ዓመት ዝጋባእ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መበል ሻሙናይ ጉባኤ ሎሚ’ውን ኣብ ኢንዲኣናፖሊስ ብዕለት 31 ጉንበት ከሰላስል ከምዝኾነ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ክነግስን ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክጥጥዕን ንዝቃለሱ ኤርትራውያንን ፈተውቱን ይሕብር።

ዓላማ ናይ’ዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ ብመሰረት ሻዱሻይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ ኣፍሪሱ ምስ ተመሳሳሊ ርእይቶን ፕሮግራምን ዘለወን ውድባትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዋላውን ውልቀሰባት ሓቢሩ ሰፊሕ ንኹሉ ኣካላት ህዝብና ዝሓቁፍ ፓርቲ ክምስረት ኣሎዎ ዝብል ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ናይ ዝሓለፈ ውድባዊ ጉዕዙኡ ዝመዝነሉን ዝዛዝመሉን ናይ መጻኢ ፓርታዊ ዕማማቱ ናብ ናይ ሰልፊ ጉባኤ ለበዋታትን ሓሳባትን ዘመሓላልፈሉን ኮይኑ ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣኸቲሙ ናይ ፓርታዊ ኣሰራርሓ መዳባትን ሓሳባትን ዝመያየጠሉ ፍሉይ ጉባኤ ኢዩ።

ኣብ ርእሲቲ ውድባዊ ጉባኤ ነቲ ዝሓለፋ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ መሪሕነቱን ኣባላቱን “ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ከነረጋግጽ ቅድም ኣብ ነብስና ዓይነታዊ ለውጢ ነረጋግጽ” ዝብል ኣምር ሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ቃልስታት ዝነበሩ፡ ዝተፈላለየ ኣታሓሳባን ተመክሮን ዘለዎም ኤርትራርውያን ጠርኒፉ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ኤርትራዊ ፓርቲ ከምዝዓስሉ ንምግባር ዘካይዶ መጠነ ሰፊሕ ጎሽጓሽ መቐጸልታ ን ሰነ 1, 2008 ኣብ ከተማ ኢንዲኣናፖሊስ ሰፊሕ ናይ ፓርቲ ምስረታ ኮንፈረንሰ ከካይድ ምዃኑ ብደስታ ንኹሎም ፈተዉቱ ይሕብር። ኣብዚ ዕለት እዚ ኩሎም ኣባላት ውድብ ዝጸንሑን ምስቶም ምስኦም ሓቢሮም ሰፊሕ ፓርቲ ንምምስራት ክነጥፉ ዝጸንሑ ሕጹያትን ናይ ሓባር ናይ ፓርቲ ኮንፍረንስ ክገብሩ ኢዮም። ግዱሳትን ተዓዘብትን ነቲ ኮንፈረንስ ክካፈልዎ ክፉት ምዃኑ እውን ካብ ሓባራዊ ሰልፊ ምቛም ኮሚስዮን ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኮንፈረንስ ገለ ካብቶም ክማያየጠሎምን ናብቲ ናይ ፓርቲ ምስረታ ጉባኤ ለበዋታት ከመሓላልፈሎምን ተዳልዮም ዘለዉ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም  እታ ናይ ፓርቲ ኮሚሽን ናይ ኮንፈረንስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ገሊጻ፡

ብተወሳኺ ናይ ፓርቲ ጉባኤ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ክካየድ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ፓርቲ ምስረታ ኮሚሽን ሕጂውን ደጊማ ኣብዚ ዝምስረት ዘሎ ፓርቲ ተሰሊፎም ኣብ ሃገርና ዘልኣለማዊ ለውጢ ንኽምዝገብ እጃሞም ከበርክቱ ንኹሎም ብሃገሮም ዝግደሱ ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ጸዋዒት ተቕርብ። ኣብ ንሓርነት. ኮም ወብሳይት ከድኩም ናይ ፓርቲ ምዝገባ ቅጥዒ ክትመልኡ ድማ ብኽብሪ ይዕድም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሓባራዊ ኮምሽን ምምስራት ፓርቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ወብሳይት ከምዘለዋ እናኣበሰርና ጉዕዞ ምምስራት ፓርቲና ክከታተል ንዝደሊ ግዱስ ዜጋ ን www.speedliberty.org ክውከስ ነተሓሳስብ።

ዝኽርን ክብሪን ንስዉኣትና!

ውድቀት! ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ

ፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ!  

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

8ይ ዞባዊ ጉባኤ ሕ. መ. ኣሜሪካ

25 ጉንበት 2008

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com

Nharnet News