|
||
|
|
||
|
ኣገዳሲ ሓበሬታ
ኣመንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን ከተማ ዮተቦሪ፡ ሸወደን 23-05-2009
ከም ዝፍለጥ ናይ ሃገር ሽወደን ጋዜጠኛታትን ኩለን መዲያታትን ንሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ፡ ብዘይ ሕግን ፍርድን ኣብ መቁሕ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ተዳጒኑ ዝርከብ፡ ነጻ ክልቀቅን ኣብ ሕግን ፍርድን ይቅረብ፡ ደቁን ስድራኡን ክርእይዎ ይፈቀድ፡ ብምባል መዓልታዊ መግለጽን ጥርዓንን ካብ ዘቅርቡ ኣዋርሕ ኮይኑ ንምሉእ ዓለምን ኤውሮጳን ከኣ ከንቀሳቅሱ ይርከቡ።
ገለ ዉሑዳት ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝኾኑ ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን እዚ ጋዜጥኛታት ሽወደን ዝጽሕፍዎ ዘሎዉ ሓሶትን ጸለመን ንሃገርና እዩ ብምባል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣሎዉ።
ብወገና ኣብ ከተማ ዮተቦርግ እንርከብ ኣባላት ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ኣመንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝኾኑ ኤርትራውያን ውልቀ-ስባትን ምስ ንኡስ ሓዉ ንዳዊት ኢሳቅ ልዝብ ጌርና ንሎሚ ቀዳም ሰዓት 17.00 ድ.ቀ. ምስ ኩለን መዲያ ሽወደን ብምርኻብ እቲ ዝጸሓፍኩሞን ህዝቢ ይብደል ከም ዘሎ ንዓለም ዝሓበርኩሞን ሓቂ እዩ የቀንየልና፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኣየጸለምኩምን ኣይከሰስኩምን፡ ግና ክሳብ ዲሞክራስያዊት ህዝባዊት ኤርትራ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደር ሃገር እንምስርት ኣብ ጎድንና ደው በሉ ኢና ከነመስግኖምን ቀጽሉ ክንብሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ክንገብር ተዳሊና ከም ዘሎና ንሕብር።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|