Nharnet Articles/Opinions

     

   

ሓባራዊ ቃል

ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 18 ዓመት

በዓል ናጽነት ኤርትራ

 

ኣዋሃሃዲት ሽማግለ

ፖሊቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት ሽወደን

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት!

ዝኸበርኩም አሕዋትን አሓትን!

ዝኸበርኩም ካብ ቀረባን ርሑቅን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!

 

ኣቐዲምና ብስም ኣዋሃሃዲት ሽማግለን ፖለቲካዊን በርገሳዊን ማሕበራት ሽወደን ሃገራዊ ሰላምታ እናቕረብና፡ ዕድሜና ኣኽቢርኩም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ብሓባር ከነብዕል ኣብዚ ምርካብኩም ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም።

 

ሎሚ፡ ሃገርና ኤሪትራ ካብ ኵሉ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝኾነትሉ መበል 18 ዓመት ከነብዕል ከሎና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግድፍ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወቱ ናጽነት ስኢኑ ፣ ኣብ ዓቢ ስቕያትን ጸገምን ይርከብ ምህላዉ ካብ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን። መንእሰያት ብጥይት ክርሸኑ፣ ወላድቲ ከእሰሩ፣ዓድታት ካብ መቦቀል ቦትኤን ብሓይሊ ኣግዒዝካ ናብ ካልእ ቦታታት ምስፋር፣ሕዝቢ ነንሕድሕዱ ከምዝጻላእ ምግባር፣ ከምኡ ድማ ብሰንኪ ተግባራት ጨቛኒ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ  ኣፍራዪ ክፍሊ ሕብረተሰብና ብፍላይ ድማ መንእሰያት ናብ ስደት ከም ዝውሕዝን፡ ኣብ ስደት'ውን እንተዀነ ብዙሓት ካብኦም ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፎም ኣብ ቤት ማእሰርትታት ሱዳን፣ሊብያ፣ግብጺ ፣ኢስራኤል ክምኡ እውን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ኣብ ስዊድን እውን ከይተረፈ ዝሳቀዩሉ እዋን ኣሎ።

 

በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝወርድ ዘሎ ስቅያትን በደልን ብኣጉራዊ ሕብረተሰብን፣ መራኸቢ ብዙሓን ኣቃልቦ እናረኸበ፣ ደንበ ተቃውሞ ድማ  ሓድነቱን ቓልሱን ኣብ ምውህሃድን ምድልዳልን ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ብምኻኑ ንበዓልና ፍሉይ ድምቀት ይህቦ።ስለዝኾነ ናይ ሎሚ በዓልና ናይ ተስፋን ናይ ጽንዓትን በዓል ኮይኑ ነቶም ኣብ ሽግርን መከራን ዘለዉ ወገናትና ኣጆኹም እናበልና ነቶም ኪዳኖም ኣጽኒዕም ዘለዉ፤ ደለይቲ ሰላምን ደሞክራሲን ሓይልታትና ድማ ክሳብ እዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ለጊሱ ደሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ዝሰፍን ካብዚ ሒዞሞ ዘለዉ ቅኑዕ መንገዲ ፈልከት ከይበሉ ክቃለሱ በዚ ኣጋጣሚዚ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን!

 

እዚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዝተረኽበ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራ፡ ብጉዳይ ኤርትራ ከምኡ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተበጺሑ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባሌታት፡ ንግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍን ተሓባበርቱን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣእትዩዎም ከምዘሎ ርግጽ ኢዩ። እቲ ዝያዳ ኣርዒዱዎም ዘሎ ድማ ዓለም ለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራን ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ፖሊቲካውን ሲቪካውያን እናሓየለን ኣብ ዓለም ተስማዕነት እናረኸበን ብምኻዱ ኢዩ።ሓደ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ክዕወት እንተዀይኑ፡ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ፖሊቲካውያንን በርጌሳውያንን ሓይልታት ኤርትራ መሰረታዊ  ተደላይነት ኣለዎ።እቲ ብ2008 ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብመሪሕነት ኤዲኪ ዝተኻየደ ምብጻሕ ኣዎንታዊ ውጽኢት ኣርእዩ'ዩ። ኣብ ሃገረ ሽወደን ቀጺሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ስራሓት ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖሊቲካውን፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ከምኡ ድማ ሰሚናራትን  ዋዕላታትን ኣብቲ ኣገደስቲ ጉዳያት ደሞክራስያዊ ምስግጋር ዝካየድ ዘሎ መድባትን ፕሮግራማትን ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። ነቲ ብሓሶት ከታልል ዝጸንሔ ናይ ህግደፍ ሓይልታት ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ሰልፊ ሶስያል ደሞክራት ( social demokraterna) ክገብሮ ዝጸንሔ ናይ ሓሶት ዝምድናታት ኣፍሺሉ ፣ ምስተን ካልኦት ሰልፍታት ሽወደን ድማ ሓያል ጽልዋ እናሕደረ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ  ክሕይልን ክቅጽልን መታን ክኽእል፡ ክእለትን ዓቕምን ናይ ኵሎም እቶም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት ምትሕብባር ዘድልን ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ዝሓትት ምዃኑ ከነዘኻክረኩም ንፈቱ።

 

 

ክቡራት ተቓለስቲ!

 

ጨቋኒ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሃገርን ህዝቢን ምጥፋእ ሜላ ንምቑጻይ  ኤርትራዊ ክሓብርን ዓቅምታቱ ብሓባር ጸሚዱ ቃልሱ ከደንፍዕን እዚ ታሪኽ መዓልቲ ይጠልቦ ኣሎ። ብርግጽ ድማ ነዚ ስርዓት'ዚ ካብ ስልጣን ምልጋስ ንጥቕሚ ኵሉ ህዝቢ ስለዝኾነ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ክህሉ ዝኽእል ባህርያዊ ፍልልያት ብግቡእ ተኣሊዩ ብሓባር ክለዓልን ክውደብን ይግባእ እናበልና በዚ ኣጋጣሚዚ ጻዋዒትና ነቅርብ።

 

ሎሚ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ኵልና ኣብዚ ከባቢ እንርከብ ፖሊቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ብሓባር ኮንና መዓልቲ ናጽነት ምኽባርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥምረትን ውህደትን ህዝቢ ዘቃላጥፍን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ናብ ዓወት ገጹ ዘገማግምን ኢዩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ከባቢና ዘሎው ኤርትራውያን ዋላ እኳ እቲ ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝጸንሐ ሓጎጽጎጽ ኣጠራጢሩዎም እንተጸንሐ  ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ንነብሲወከፎም ስለዝበጽሖምን፡ ደንበ ተቃውሞ ብሓፈሻ፣ ኤርትራዊ ደሞክራዊ ኪዳን ድማ ብፍላይ ብሓድነት ምስራሑ ንመጻኢ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ፍናን ሂቡዎም ኣሎ።

 

ንኣስታት ሚእቲ ዓመታት ህዝቢ ኤሪትራ ብሓባር ኮይኑ ዘሕለፎም ተሞክሮታት ብሓንሳብ ብሰላም ተኸባቢርካ ምንባርን ሓድነቱ ክሃንጽን ከደልድልን ሓጊዞሞ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ብሓደ ካብ ውሽጢ ዝቦቖለ ጸረ ሃገርን ህዝቢን ዝኾነ ስርዓት ነቲ ብሓንሳብ ብሰላም ተኸባቢርካ ምንባር ዝብል ኩቡር ባህልና  ከይፈርስ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ኢና በጺሕና። ስለ'ዚ ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ማዕርነትን ዝቃለሱ ሓይልታት ንውዲታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣምኪኖም ባህግታት ህዝብና ህያው ንምግባር ቃልስታቶም ከኻዕብቱ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ጻዊዕትና ነቕርብ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ድማ እምቢ ንምልኪ እወ ንደምክራሲ ኢሉ ኣብ ጐድኒ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ተወዲቡ እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ።

 

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና!

ኤርትራን ሕዝባን ብናጽነት ይንበር!

  


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com