መበል 18 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

22.05.2009

 

ናጽነት ኤርትራ ዝጽንበለሉ ዕለት 24 ግንቦት ይቀራረብ ኣሎ። እዚ፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ካብ እትወጽእ ንመበል 18 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ዕለት ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ንዝተበጀዉ በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ክብርን መጐስን ይገልጽ። ስውኣትና፡ መግለጺ ኣብ ናጽነትን ዲሞክራስን ዘሎና ባህግታት ስለዝዀኑ፡ ህዝብና ንዘልኣለም ክዝክሮምን ከኽብሮምን ኢዩ።

 

ብርግጽ፡ ን30 ዓመታት ተቓሊስና ዘረጋገጽናዮ ናጽነት፡ መሰረታዊ መሰላትናን ናጽነትናን ክኽበረልና’n ህዝብና ምንጪ ናይ ስልጣን ክኸውንን ኢዩ፡ ካብ ዝብል እምነት ዝብገስ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይኰነን። እዚ መዘና ብዘይብሉ ጽንዓትን፡ ብዘይ ደገፍ ናይ ግዳም ሓይልታትን ዘረጋገጽናዮ ናጽነት’ዚ፡ ዘላቒትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምህናጽ ክሕግዘና’ዩ ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረና፡፤ ብተግባር ግን ኣይተረጋገጸን። እቲ ብ1961 ዝጀመረ ጕዕዞ ከም ድሌትናን ትጽቢትናን ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ናጽነትናን መሰላትናን ዘይተረጋገጸላ መዓልቲ ናጽነት ኢና እንጽንብል ዘሎና። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ’ያ ወዲቓ። ሕጂ ድማ፡ ንሓደጋታት ናይ ምብትታን ተቓሊዓ ትርከብ ኣላ።

 

ንህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ጸገም ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኰነን። ጥሜትን ርሃብን የስፋሕፍሕ ኣሎ። ቍጠባ ሃገርና ኣብ ገምገም ናይ ፍጹም ዕንወት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብና ኰይኑ ኣሎ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ገዛውቶም ድዩ፡ ኣብ ዓዶም፡ ወይስ ኣብ ዝነብሩለን ከተማታት፡ በቲ ስርዓት ከይተጠቕዑን ከይተበሳበሱን ዝሓልፉለን መዓልታት የለዋን። ህዝብና፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ራዕዲ ኵነታት’ዩ ዝነብር ዘሎ።

 

ዋሕዚ መንእሰያት ስደተኛታት ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ክንዮኡ ናብ ዘለዉ ሃገራት ምዕራብን ብዘይምቍራጽ ይቕጽል ኣሎ። ቍጽሪ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ካብ ዝነበሮ ደረጃ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ብናህሪ እናነከየ’ዩ ክመጽእ’ዩ ተራእዩ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ከኣ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ንስደትን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ዝውለዱ ህጻናትን ብዝሒ ህዝብና ብፍጥነት ንታሕቲ እናንቈልቈለ’ዩ ከይዱ። እቲ ዝተረፈ ኣፍራዪ ዝዀነ ሓይሊ መንእሰይ ድማ፡ ኣብ ግንባራት ናይ ውግእ ኣይመርዓ ኣይደርዓ ኰይኑ ንእስነቱ ብኸንቱ የብሊ ኣሎ። እዚ ሃለዋት’ዚ ኣብ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊን ቋንቋውን ብዙሕነት ሃገርናን፣ ከምኡ ውን፡ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ዕብየት ህብዝናን ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ምናልባት ውን ንድሕሪት ክምለስ ዘይክእል ሕማቕ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። 

 

250,000 ኣቢሎም ዝዀኑ፡ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎም ኣፍረዪቲ ክፋል ካብ ሕብረተ-ሰብና፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ድፍዓት ተጸሚዶም ኣለዉ። ስለዝዀነ ድማ፡ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን’ዮም ኣብ ገዛ ተዀርምዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ናይ ኤርትራውያን ስድራ ቤታት ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ሕሉፍ ታሪኸን፡ ሎሚ፡ ብሕጽረት ወይ ስእነት ናይ ዝናብይወን ዓቕሚ ዘለዎም ኣባላት ይሳቐያ ኣለዋ። እዚ ሃለዋት’ዚ፡ ክሕባእ ዘይክእል፡ ኣብ ጽርግያታት ናይ ከተማታትናን፡ ኣብ ገጠራትናን ዝርአ ዘሎ ተርእዮ ኢዩ።

 

ብዘይ ክሲ ምስዋር፡ ምእሳርን ምሕያርን ልሙድ መዓልታዊ መነባብሮ ኰይኑ ኣሎ። ንዜጋታቱ ኣብ ምቕታል፡ ምእሳርን ግህሰታት ምፍጻምን ንስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝወደዳሮ ካልእ ስርዓት ኣብ ዓለምና የለን። ሎሚ ሃገርና፡ ብሓደ ሸነኽ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ብዝሒ ሰራዊት ተሰኪማ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ህዝባ ብቐጻልነት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ሃገር ኰይና ኣላ። ከም’ዞም ካብ 3.5 ሚልዮን ንታሕቲ ዝዀኑ ናይ ሎሚ ተቐማጦ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ናጽነታቶምን መሰላቶምን ዝተነፍጎም ዜጋታት ኣብ ዓለምና የለዉን። ሃገርና ኣብ ታሪኻ፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ፡ ብዕምቈቱ ይኹን ብስፍሓቱ መወዳደርቲ ዘይብሉ፡ ናይ ምብትታን ሓደጋታት ተቃሊዓ ትርከብ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጕድኣትን ባህርያት ናይ’ቲ ስርዓትን፡ ንኢሳያስ፡ ብዲክታቶር ጥራሕ ምግላጹ ኣኻሊ ኣይኰነን። ብሓጺሩ፡ እቲ ስርዓት ንኤርትራ ንምቕባር ቈሪጹ ዝተበገሰ’ዩ ዝመስል። እዚ ከኣ፡ መን’ዩ እቲ ተቓውሞ? ኣበይ ኣሎ? እንታይን ከመይን ይገብር ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ይድርኸና።

 

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክጕስጕሳን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ከልዓዕልኦን ዘኽእለን ዓቕሚ ኣለወን። እቲ ጸገም ግን፡ ህላውአን ተቐባልነት ክረክብን፣ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ከመይ ኣቢለን ክስዕርኦን፣ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያዊ ዝዀነ መተካእታ ክዀናን ምዃነን፡ ንህዝቢ ብዘዕግብ ኣገባብ ከቕርባሉን ዘይምኽኣለን ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ለውጥን ዲሞክራስን ዘድህባ፣ ዝበዝሕ ግዚአን ኣብ’ቲ ሕሉፍ ናይ ሓርነታዊ መድረኽ ተመኵሮን ኣተሓሳስባን ስለዘባኽንኦ ኢዩ። እዚ፡ ነቲ ካብ ናይ ገገዛእ ርእሰን ባህሊ ናይ ሓርነታዊ መድረኽ ዝወረሳኦ ኣሉታዊ ተመኵሮታት ንምቕያር፣ ብሓባርን፡ ትርጕም ብዘለዎ ኣገባብን ኣይተበገሳን፡ ናብ ዝብል መደምደምታ ጥራሕ’ዩ ዘብጽሓና። እዚ ድማ’ዩ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብድሆታት፡ ብዝሰፍሐን ዝዓመቘን መልክዓቱ ከይርድእኦ ዓንቂጽወን ዝርከብ። እዚ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን ባህልን እዚ ከኣ’ዩ፡ ናይ ህዝቢ እምነት ከይረኽባ ዝዕንቅጸን ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ናይ ህዝብና እምነት ንምኽሳብ፡ ካብ’ዚ ባህሊ’ዚ ክንገላገል ይግብኣና። ብፍላይ ድማ፡ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ናይ መንእሰያት ንምኽሳብ ብዝምልከት፡ ተቓወምቲ ውድባት ዘይድየብ ዓቐበት’ዩ ኰይንወን ዘሎ። ብኵራት ናይ መንእሰያት ካብ ቃልሲ፡ ምስ’ቲ ንተሳትፍኦም ዝዕንቅጽ ዘሎ ስትራተጂካዊ ባህርያት ናይ’ቲ ቃልሲ ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ብዛዕባ ሓርነታዊ መድረኽ ምዝራብ፡ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ትርጕም ኣይህቦን ኢዩ። ንዕኦም እቲ ናይ ሓርነታዊ መድረኽ ትርጕም ዘይህቦም ዝኣረገ ወይ ናይ ቀደም ተመኵሮ ኢዩ። ንህልዊ ኵነታት ንምብዳህ፡ ዝድርኾምን ዝሕግዞምን ድማ ኣይኰነን።

 

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዕግበት ኣብ’ዚ ቃልሲ ክሳተፋ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኵላትና ንፈልጦን ንርድኦን ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ከኣ’ዩ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጕዳያት መንእሰያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘቘመን፤ መንእሰያት ውን፡ ክእለቶምን ሓሳባቶምን ከቕርቡን፤ ናቶም ጽልዋን ግደን ኣብ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ከዕዝዙን ዝዓደመ።

 

ስለ’ዚ፡ መዓልቲ ናጽነት ኣብ እንጽንብለሉ ዘሎና ዕለት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶር ስርዓት ብሓድሽ ኣገባብ ንምቅላስ ኣብ ዘኽእሉና ሓሳባት ኢና ከነተኵር ዝግባእ። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ፡ በቲ ናይ 70ታት ኣተሓሳስባታት፡ ንዓመጽ ብዓመጽ ክንምልሰሉ ኣሎና ብዝብል ኣተሓሳስባ ክንገጥሞ ኣይግብኣናን ዝብል ተረድኦ’ዩ ዘለዎ።

 

ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ብድኽመቶም፡ ንቀልብን ኣእሙሮን ናይ ህዝብና ክኸስብዎ ከምዘይከኣሉ ርዱእ ነገር ኢዩ። ሕጂ ንህዝብና ዘሐይል፡ ኣብ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ዝተሰረተ ስትራተጂካውን ውጽኢት ዝርከቦን ፖለቲካዊ መስርሕ ኢና ከነቋምት ዝግብኣና። ነቲ ጕዳይ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ምትሕሓዙ ብቐዳምነት ንዅሉ ዘሳትፍ መስርሕ ክኸውን ኢዩ። ህዝብና፡ ኣብ እኩብ ዓቕምታቱ ዘሎ ሓይሊ ክግንዘብን ክርዳእን ውን ከኽእሎ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንላዕሊ ናይ ምዕዋት ተኽእሎን ዘላቕነትን ዘለዎ ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

 

ብርግጽ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ቀሊል ፈተነ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ናይ ህዝብና ተሳትፎ፡ ተስፋን ሕልምን ንምርግጋጽ ዝሕግዘና ጐደና ንሱ ኢዩ። ነቲ ካብ መዋእል ሓርነታዊ ቃልሲ ዝወረስናዮ ዓመጻዊ ባህሊ ንምቕያርን፤ ናይ መጻኢ ወለዶታት ዝረብሕሉ ዘላቒ ሰላም ንምስፋንን ዘኽእለና ጐደና ኢዩ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከየስመርናለን ክንሓልፍ ኣይንፈቱን። ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትኸውን 18 ዓመታት ኰይንዋ ኣሎ። ኣብ’ዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ናጽነቶም፡ ክብሮምን ካልእ ኵሉ ዝውንንዎ ነገርን ስኢኖም ኣለዉ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ክጓዓዘሉ ዝጸንሐ ጐደና ናይ ፍጹም ዕንወት፡ ራዕድን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንጠንቂ ናይ’ቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ መነባብሮ ድማ ንኻልኦት እናኣሰከመን ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ።

 

ደምበ ተቓውሞ ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፋ 18 ዓመታት ኣንጻር’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘካየዶ ቃልሲ ዝልለ ለውጢ ኣየመዝገበን። ልክዕ’ዩ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓጺር እዋናት ምሕዝነት ወይ ኪዳን ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጽላል መስሪቱ ኣሎ። እዚ ውን እንተዀነ፡ ጌና፡ ንቕድሚት ክስጕም ኣይከኣለን። ሓደ ካብ’ቲ ምኽንያታት ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ሓድሽ ኣንፈትን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ከተአታቱ ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ለውጢ ከተኣታቱ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ናይ መዓልቲ ናጽነት ኣጋጣሚ፡ ንሓያል ተሳትፎ ናይ ህዝብናን መንእሰያትን ዘረጋግጽ ናይ ለውጢ ኣቕጣጫ ክሕዝ ኣለዎ። ነዚ ክገብር እንተደኣ ዘይክኢሉ፡ ነቲ ሓይሊ ናይ ለውጢ ዝዀነ  ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣብ ምርግጋጽ ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥምዎ ኢዮም። ነቲ ዘሎ ዕንወት ደው ንምባልን ሓቀኛ ናጽነት ንምጕንጻፍን ንቅኑዕ ዕላማታት ንምዕዋት ክንቃለስ ይግባእ።

 

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com