|
ኣገዳሲ ኣዋጅ
ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ኤርትራ-ጋሽ ሰቲት
ጽኑዕ ህዝቢ ኤርትራ
ሰውራ ኤርትራ፡ ነቲ ተኸታተልቲ
መግዛእታዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ፡ ዝፈጠርዎ ናይ ምክፍፋል ኵነታት ሰጊሩ፡ ንኵሉ
ዓቕምታት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘልዓዕል ዕላማታት ተሓንጊጡ፡ ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን መሪሕ በዅሪ
ሰራዊታ ዝዀነ ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን፣ ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእን፣ ናጽነት፡ ማዕርነት፡
ፍትሒ፡ ዝተመጣጠነ ደረጃ ምዕባለን መሰልን ዝነገሳን፣ እቲ ምእንቲ ናጽነታ ክብ ዝበለ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝባ ድማ
ብክብሪ ዝነብረላን ሃገር ንምህናጽ ኢዩ ተበጊሱ።
ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ክቡር
መስዋእቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጐይታ መሬቱ ክኸውንን፡ ኤርትራ ከኣ ናጽነታ ክትጓናጸፍን ክኢላ። ስርዓት ህግደፍ ግን፡
ብግደ ናይ ካልኦት ዘይኣምንን ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዘየኽብር ጭቋኒ ስርዓት ብምቛም፡ ንሓጐስ ናብ ሓዘን ጥራሕ
ዘይኰነስ፣ ነታ ሃገር ውን፡ ህዝባ ክነብረላ ናብ ዘይክእል ሲኦል ቀይርዋ ይርከብ። ንፖለቲካዊ ስራሕ ከም ገበን
ዝቘጽር፡ ንተቓወምቱ ዝነጽግ፡ ንፍልልያት ዘይጸውር፡ ናይ ፍርሒ ባህሊ ዘስፍንን ናጽነት ናይ ምሕሳብ ዘየፍቅድን፤
ናይ ካልኦት ጕልበትን ኣእምሮን ዝግበተሉን ናይ ሓደ ውልቀ-መላኺ ድምጺ ጥራሕ ዝስምዓሉን ኵነታት እንተደኣ ሰፊኑ፤
ናይ ሓደ ሰልፍን ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብን ምልኪ ክነግስ ናይ ግድን’ዩ። እዚ ናይ ሓደ ሰልፍን ሓደ ውልቀ-ሰብን
ዝዕብልሎ ስልጣን ከኣ’ዩ፡ ካብ ከርሲ’ቲ ሰልፍን ምምሕዳራቱን ሓደ ቢሮክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክፍጠር ዝገበረ።
እዚ ቢሮክራስያዊ ሓይሊ’ዚ፡ ንስልጣኑ ተጠቒሙ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃብቲ ክድልብን፣ ቍጠባዊ ስልጣን ናይ’ታ
መንግስቲ መንዚዑ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከእቱን በቒዑ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሓደ ረብሓታቱ ምስ ረብሓ መላእ
ሕብረተ-ሰብ ዘይራኸብ ክፍሊ ክፍጠር ክኢሉ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኤርትራ፡ መሰላት ወዲ ሰብ ዘይኽበረላ፡ ክብርታት
ዜጋታታ ዝግሃሰላ፡ ህዝባ ዝስደደላን ዝበታተነላን፡ መሬት ናይ ህዝቢ ዝህገረላ፡ መሰረታዊ ናጽነታት ውልቀ-ሰብን
ሕብረተ-ሰብን ዝበዀረላ፡ ኣድካሚ ናይ ኣስገዳድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዝካየደላ፡ መንእሰያት ካብ መኣዲ ናይ ትምህርቲ
ዝርሕቁላን ንሕቶታቶም መልሲ ዘይረኽቡላን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ዝስደዱላን ዓባይ ቤት
ማእሰርቲ ኰይና። ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቲ ስርዓት፡ ንሃገርና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ትርጕም ዘይብሉ ውግእ ብምንቋት
ንህዝብና ኣደዳ ህልቂትን ምፍንቓልን ገይርዎ ኢዩ።
ጽኑዕን ተቓላሳይን ህዝብና
ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ
ኤርትራ-ጋሽ ሰቲት ንዝወሰዶ ተበግሶ ናይ ምጽንባራዊ ሓድነት፡ ምስ’ቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድም ክብል ንባህግታት
ናይ ህዝብና ዘርዊ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ንምምስራት ምስ ካልኦት ውድባት ንምጽንባር ዘርእዮ ቅሩብነት ኣብ
ግምት ብምእታውን፣ ነቲ ንሃገርን ህዝባን ዘብርስ ዘሎ ፖሊሲታት ህግደፍ ንምስዓርን፡ ንተበግሶ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት
ብክሱት መንፈስ’ዩ ተቐቢልዎ።
ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ቲ ካብ
16-24 ግንቦት 2009 እተኻየደ ኣኼባታት፡ ክልቲኡ ሸነኻት፡ ናይ ውድባት፡ ሰልፍታት ግንባራትን ምንቅስቓሳትን
ምፍንጫላት ዘስዓቦ ኣሉታታት ድሕሪ ምምርማር፡ ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ኣስሚርሉ።
1. ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ በሓቲ
ራእይ ዝመለለዪኡ ስርዓት ህግዲፍ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡን፣ ካብ’ቲ ስርዓት ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ርእይቶ ንዘለዎ
ዝዀነ ይኹን ሸነኽ ከምዘይቅበል ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጁን፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ንምፍጣር ዝዓለመ ርሱን
ምንቅስቓሳት ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ተጋህደ። እዚ፡ ምብዛሕ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ግን፡ ከም ተጻይ መልሲ ነቲ
ካልእ ራእይን ካልኦት ሰልፍታትን ዘይቅበል ፖሊሲታት ናይ’ቲ ስርዓት ደኣ’ምበር፣ እቲ ዝተረጋገጸ ሓድሽ ለውጥታት
ዝፈጠሮ ውድዓውን ግብራውን ጠለባት፡ ወይ ድማ ኣብ ብዝሐ ሰልፋዊ ስርዓት ዘሎ መትከላዊ እምነት ዘንቀሎ
ኣይነበረን።
2.
ብዝሒ ሰልፍታት፡ ግንባራት፡ ምንቅስቓሳት …ወዘተ ኣብ ኤርትራ፡ መግለጺ ናይ ብዙሕነት ዝቕበል ፖለቲካዊ ብስለት
ክኸውን ኣይኰነን። ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ብዝሒ ናይ ውድባት ካብ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦ ንላዕሊ ኢዩ።
3. ጠንቂ ናይ ምብዛሕ ውድባት፡
ስምዒታዊ ናይ ምብትታን ባህርያትን ውልቃዊ ግርጭታትን ዝዓብለሎ፤ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ መረረን ዝናን ዘንቀሎን ምንባሩ።
4. ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣብ ሓደ
ሕብረተ-ሰብ ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ህያው ዝዀነ ብዙሕነትን ምንቅስቓስን ንምፍጣር ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ
ፕሮግራምን ራእይን ዘሎ ምምስሳል ወይ ምቅርራብ፡ ንፖለቲካውን ውድባውን ምፍንጫላት ዘጻብብ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ናይ
ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም ውድባት ምብዛሕ፡ ንግደ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምዘዳኸሞን፣ ንህዝቢ ድማ፡ ዝተፈላለዩ
ኣማራጺታት ዘይኰነስ፡ ሓደ ኣማራጺ ጥራሕ ከምዝቐረአሉን፤ እዚ ከኣ፡ ንፖለቲካዊ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኣብ ምዝሕታል፣
ከምኡ ውን፡ ንዕምሪ ናይ’ቲ ስርዓትን ንስቅያት ናይ ህዝብናን ኣብ ምንዋሕን ዓቢ ተራ ምጽዋቱን እቲ ኣኼባ ገምጊሙ።
ሓላፍነታዊ መንፈስ ዝነገሶን፡ ንጹህን
ዕቱብን ድሌት ዝተሓወሶን ጠቓሚ ልዝባት ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብ ኵሎም ዝተዘርበሎም
ፖለቲካውን ውደባውን ምምሕዳራውን ጕዳያት ኣብ ምሉእ ምስምማዕ ተበጺሑ። ኣብ መንጐ ክልቲኡ ነዚ ሰነድ’ዚ ዝኸተሙ
ውድባት ዝግበር ምጽንባር፡ መታን ነቲ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ናይ ሓድነት ምሉእ ክገብሮ፡ እዚ
ናይ ስምምዕ ሰነድ’ዚ ካብ እተፈረመሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተወሲኑ።
ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ
ነጥብታትን፤ ንድሌት ኣባላት ምንቅስቓስ ጋሽ-ሰቲትን ሰልፊ ህዝብን ንምንጽብራቕን፣ ከምኡ ውን፡ ነቲ ናይ ምፍንጫልን
ምብትታን ሃለዋት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ዓጺፍና፡ ንትጽቢት ናይ ህዝብና ኣብ ሓድነት ንምምላእን፣ ነቶም ንሃገርና
ናጻ ንምውጽእ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉን ኣካሎም ዝጐደሉን፡ ብመስዋእቶምን መውጋእትኦምን ድማ፡ መበል 18 ዓመት
ናጽነትና እነኽብር ዘሎና ስውኣትና፡ ውግኣት ሓርነትናን ህዝብናን ዝኣተናዮ መብጽዓ ንምፍጻም፣ ከምኡ ውን፡ ነቲ
ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዝግሃድ ዘሎ ኣገደስቲ ምዕባለታን ቀጻልን ህጹጽን ለውጥታትን ብብቕዓት ንምግጣም ዘኽእለና
ቅድመ-ኵነታት ንምምላእ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፡ ናጽነትን ክብርን ወድ ሰብ ዝኽበረሉ፡ ንህዝብና፡ ካብ ጭቆናን ምንጽጻግን
ተገላጊሉ ንጡፍ ተራኡ ንኽጻወት ዘኽእሎ መሰረታዊ መሰላት ብምርግጋጽ፡ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝሰፈኖ ሕብረተ-ሰብ
ንምህናጽን፣ ናይ ሓድነት፡ ብልጽግናን ግስጋሰን ዓንድታት ኣብ ሃገርና ንምድልዳልን፣ ካብ ዝብሉ ዕላማታት
ተበጊስና፡ ኣብ መንጐ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ኤርትራ-ጋሽ ሰቲትን ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ናይ
ምጽንባራዊ ሓድነት ሰነድ ከቲምና ምህላውና ንህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ዓለምን
ነበስር።
ተቓላሳይ ህዝብና፡
ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዝፍጽሞ ዘሎ ናይ
ህዝቢ መሬት ምምንዛዕን ናይ ሰፈራን ናይ ተቐማጦ ህዝቢ ናይ ምምዝባዕ መደባትን ንዅንን። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት
ኢሳያስ፡ መሬት፡ ናብ ዋናኡ ዝዀነ ህዝቢ ክምለስ ምዃኑ ድማ ንኣምን።
ብኣጋጣሚ ምእዋጅ ምጽንባራዊ ሓድነት
ኣብ መንጐ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ-ጋሽ ሰቲትን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንኣባላት
ክልቲኡ ውድባት ድማ ብፍላይ፡ ነቲ ወሲድናዮ ዘሎና ናይ ምጽንባር ስጕምቲ ምሉእ ደገፎም ክህብዎን ከሐይልዎን
ንጽውዕ። ከምኡ ውን፡ ምስ ፕሮግራምና ዝመሳሰል ፕሮግራማት ዘለወን ውድባት፡ ናብ ምሉእ ምጽንባር ዘብጽሕ ዕቱብ
ስጕምታት ክወስዳ፣ ከምኡ ውን፡ ንመድረኻዊ ጠለባት ብብቕዓት ንምምላእ፡ ንዕምሪ ስርዓት ኢሳያስ ንምሕጻርን፡
ንህዝብና ካብ ጭቆና ንምንጋፍን፣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ ዜና ማእከላትን
ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መንፈስ ክምዕብል ንጽውዕ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ
ኤርትራ
ዓወት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ውድቀትን ሕፍረትን ንዲክታቶርያዊ
ስርዓት
ወልደሱስ ዓማር
እስማዒል ናዳ
ኣ/መ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ
ኣ/መ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ
ተቓውሞ ኤርትራ-ጋሽ ሰቲት

|