|
||
|
|
||
|
ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ በርሊን ቀዳማይ ክፋል
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ 21-05-2009 ዓ.ም.
እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ጀርመንን ብስቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውልቀ ሰባት ኤርትራውያንን እተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 20-05-2009 ዓ.ም. ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰለፈኛታት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓወት ተሰላሲሉ።
ብሰንክ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ኣሰቃቒ ምሕደራ ህግደፍ፡ መረረ ህዝብና ንምግላጽ ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገረ ጀርመን ብተገድስነትን ሓቦን ተጓዒዞም ኣብ ከተማ በርሊን ብግዜኡ ብምእታው፤ ካብቲ ፍቑድ ቦታ ፖስትዳመር ፕላትስ (Postdamerplatz) ሰዓት 10.30 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ብምብጋስ ናብቲ ነዊሕ ጐደና ብግሉሕ ናይ ድምጺ ሰልፈኛታት ብድሙቕን፤ ጸዑቕን፤ በብዓይነቱ መሳጥን ኣገደስትን ጭርሖታትን፤ ብኽብሪ ወተሃደራት በርሊን ተዓጅቡ ንኵሉ ከባቢ ሰልፊ ዝርከቡ ህዝቢ በርሊንን መዘክራቱ እንዳዓደለ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃገረ ጀርመን ኣፍደገ ብምብጻሕ፤ ነቲ ናይ ሰለማዊ ሰልፊኡ ኣቤቱታዊ ጽሑፋቱ ብዝተወከሉ ኣባላት ኣቢሉ ንክብርቲ ወይዘሮ ፋክሲንገር( Faxizinger) ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፊት ብምርኻብ ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብኣካል ዘዲሊ ምዝርራብ ገይሩ።
ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ እቲ ውሩይ ማዕከን ዜና ጀርመን ዶቸ ቨለን (Deusche Wellle) መደበሩ ኣብ በርሊን ዝኾነ መደበር ዜና ሩንድፉንክ በርሊንን ብራንደንቡርግን ( Rundfung Berlin/ Brandenburg) ተኻፊሎም ውዒሎም።
ከምኡውን ወብሳይት መሰልና ደሊና ድማ ብተለፎን ምስ ምምሕዳር ኣዳለውቲ ሰልፊ ብምሉእ ምክትታል ተኻፊሎም ውዒሎም።
እቲ ጽቡቕ መለለዪ ናይዚ ሰልፊዚ ድማ መንእሰያት ብብዝሒ ምንባሮምን ኢዩ። ሰልፈኛ ኣብ ቅድሚ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጸሕፈት ዘሎ ሰፊሕ ፓርክ (park) ዘለዎ መግጺታቱን ጭርሖኡን መረርኡ ብምግላጽ ክሳዕ ሰዓት 13.30 ድሕሪ ቀትሪ ብምጽናሕ ንመደብ ሰልፉ ብዝኽሪ ስዉእት ዛዚሙ ጉዕዝኡ ብዓወት ነናብ ዝነብረሉ ቦታ ብሰላም ተመሊሱ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|