Nharnet Articles/Opinions

     

   

 

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

 

ፈታው ሰላምን ፍትሕን ዝዀንካ ህዝቢ ኤርትራ ተቐማጣይ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን፡ ናይ 19 ሰነ ውዕሎኻ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ይኹን። እዛ ዕለት እዚኣ ኣንጻር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽና ነስምዓላ መዓልቲ ኢያ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን

 

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብሽም እቶም ንዓና ብርሃን ክህቡ ከም ሽምዓ ዝመኸኹ ስዉኣት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰይኑ፡ ምእንቲ እቶም ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣያታት፡ ኣቦታት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ምእንቲ እቶም ተካእቲ ወለዶ ኰይኖም ሃገሮም ከማዕብሉን፡ ስድርኦም ከዕንግሉን፡ ክኣልዩን፡ ንእስነቶም ከስተማቕሩን ዝግብኦም ግናኸኣ ንዘይተወሰነ ግዜ ብሽም “ተዘመትና” ዝብል የዋህ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ዝምዝምዝ ፕሮፓጋንዳ ህግድፍ ኣብ ድፋዓት ኤርትራ ግዜኦም ዘባኽኑ ዘለዉ መንእሰያትና፡

ምእንቲ እተን ተካእቲ ወለዶ ክፈርያን ክጽግያን ዝግብኤን ግን ከኣ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ከርተት ዝብላ ዘለዋ ንኡሳት ኣሓትና፡

ምእንቲ እተን ብዘይ ፍታወን መጻወቲ ኣሕሉቕ ህግድፍ ኰይነን መጻኢ ዕድለን ዝተሰብረን ኣሓትና፡

ምእንቲ እቶም “ሰላም ተረኺቡ” ኢሎም “ተመስገን” ኢሎም ከይወድኡ ደጊሞም ኣብ ሓዘን ዝወደቑ ኣረጋውያን ወለድና፡

ክንድቲ መሬቱ ተሓዲጉ ብዘይ ካሕሳ ወይ መተካእታ ንሰብ ዶላራት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መሬቱ እንዳተዓደለ “እህ” ክብል’ውን ዘይተፈቕደሉ ወዲ ዓዲ

ክንድቲ ዘዝለምዐ መሬቱ ስልእተሓደገ ግራቱ ሓሪሱ ንስድርኡ ከዕንግል ዘይከኣለ ኤርትራዊ ሓረስታይ፡

ምእንቲ እቶም እንስሳ ዘቤቶም ዝዕንድራሉ ዝነበራ ጐላጉል መሬቶም ተሓዲጎም ከብቶም መጋሃጫ ጨኒቑወን፡ ቁጽረን በብግዜኡ ዝውሕዳን ዝጐድላ ዘለዋን ሰበኽሳግም ኩሩዕ ህዝብና፡

ምእንቲ እቶም ሃይማኖታዊ መሰሎም ዝተነፍጎም እምነቶም ስለዘይከሓዱ ኣብ ፈቐዶ እስርቤት ዝሳቐዩ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን፡

ምእንቲ ሓፈሻዊ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ንዑ ናብ ዲሲ ድምጽና ነስምዕ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ/ካናዳ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com