|
||
|
|
||
|
ጨንፈር ኪዳን ኣብ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ቘይሙ ጨንፈር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን-ኮሎምቦስ ኦሃዮ 05-24-09
ሽሕ’ኳ ምንቅስቓስ ናይ ተቓውሞ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ከተማ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ እጃሙ እንዳኣበርከተ ክመጽእ ዝጸንሐ እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ናይ ኪዳን ጨንፈር ቘይሙን ተጠርኒፉን ፡ ንተቓውሞኡ ልዑል ዝዀነ ናይ ውደባ መልክዕ ብምሃብ፡ ተበጊሱ ምህላው፡ ንኹሎም ኣባላትን ጨናፍርን ኪዳንን ዝተረፉ ተቓወምቲ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ዝዀኑ ኩሎም ደቂ-ሃገርን ፈተውትን ከበስር ይፈቱ። ጨንፈር ኪዳን ኮሎምቦስን ከባቢኡን ፡ ንመደብ ዕዮን መምርሕን ናይ ኪዳን መሰረት ብምግባርን ፡ ኪዳን ዝዓብየሉን ዝድልድለሉን ዝዕወተሉን ግደ ብምጽዋት፡ ብዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ፡ ነዚ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ዘሎ ስርዓት ህግዲፍ፡ ካብ ስሩ ምሕዩ ብምልጋስ ኣብ ቦትኡ፡ ብናይ ሰፊሕ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ግዝኣተ-ሕጊ ዝመሓደርን ሰብኣውን ዜጋውን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽን፡ ሰላም፡ ቅሳነትን ምዕባለን ዝመለለይኡ ስርዓትን ሕብረተ-ሰብን ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ፡ ዕጢቑ ተበጊስሉ ዘሎ ጕዳይ ምዃኑ ይሕብር። ምእንት’ዚ ድማ ምስ ኩሎም ኣካላትን ውልቀ-ሰባትን ናይ ኪዳን ብፍላይ፡ ደምበ ተቓውሞ ከኣ ብሓፈሻ፡ ክዋሳእ፡ክተሓባበር ይኹን ግደኡ ከበርክት ከም ቀንዲ ሃገራዊ ውራዩ ተተሓሒዝዎን ተዓጢቕሉን ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። ዝዀነ ግዱስ ኣካል ወይ ወዲ ሃገር ሓበሬታ፡ ርእይቶ፡ ዝምድናታት፡ ደገፍ ይኹን ነቐፌታ…ወዘተ ንምልጋስ በዚ ዝስዕብ ኢ-መይል chenferkidancolumbus@yahoo.com ክራኸበና ብሃንቀውታ እንጽበዮ ጕዳይ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ኣብ ኮሎምቦስን ከባቢኡን ብፍላይ፡ ኣብ ኦሃዮ ከኣ ብሓፈሽኡ፡ እትርከቡ ደቂ ሃገርን ፈተውትን ዝዀንኩም ምሁራት፡መንእሰያት፡ ተመሃሮ፡ደቀ-ኣንስትዮ፡ ኣቦታት፡ ኣደታትን አሕዋትን ኣሓትን…ወዘተ፡ በዚ ዝተጠቕሰ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ ክትራኸቡና፡ ክትተሓባበሩና፡ ክትመርሑና፡ ክትምህሩና፡ ክትምዕዱና…ወዘተ ሃገራውን ፍትሓውን ሕልናኹም ክድርኸኩም ካባኹም እንጽበዮ ኢዩ።በዚ መሰረት፡ ዝዀነ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ መስርሕ ዝግደስን ክሳተፍ ዝመረጸን ዝቘረጸን ዘበለ፡ ኢ-መይሉ፡ ስልኪ ቍጽሩ፡ ወይ ከኣ ናይ ገዝኡ ይኹን ስርሑ ኣድራሻ መራኸቢ ክኸውን ክልእከልና ንላቦ።
ዓወት ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን። ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ለውጢ። ውድቀት ንኣረመናዊ ስርዓት ህግዲፍ፡
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|