Nharnet Articles/Opinions

     

   

ሰፊሕ በዓል ናጽነት ብኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ሮተርዳም

 

 ሽሕኳ ናጽነት ኤርትራ ህዝብና ከምቲ እተጸበዮን እተመነዮን እንተ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ብዙሕ መስዋእቲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝወጻናሉ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ጉቡእ እንሕጎሰሉን እንሕበነሉን ዕለት ኢዩ። ብፍላይ ንዓና ንተቓወምቲ፡ እዚ ዕለት’ዚ ብዝያዳ ናይ 18 ዓመታት ጉዕዞ ድሕሪ ናጽነት ምስ ዓላማ ስውኣትና እነናጻጽረሉን እንመዝነሉን ዕለት ኢዩ። ብርግጽ እዚ ዕለት’ዚ ብሰንኪ ጽቕጠት ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩነታት ህዝብና እንዝክረሉን፡ ንመጻኢ እንእምተሉን ዕለት እውን ኢዩ። ካብ ናይ ብህግደፋውያን ዝብዕል ናጽነት ፈሉይ ዝገብሮ’ውን በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ። ህግደፋውያን ነዚ ዕለት’ዚ ብሳዕሳዒትን ገንዘብ ምእካብን ጥራይ ኢዮም ዝዝክርዎ።

 

ስለዚ ኣባላት ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብሓባር ዓብይን ኣገዳስን በዓል ስለ እነዳሉ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ዕለት፡   23-05-2009

ሰዓት፡   ካብ ሰዓት 14፡00 ስጋብ ሰዓት 22፡00

ሽም ኣኼባ ዝገበረሉ ኣዳራሽ (ቦታ) Post West

ኣድራሻ፡ Tidemanstraat 80, Rotterdam

መጓዓዝያ፡ካብ Rotterdan Centraal Station

                  Tramlijn 21 Richting Woudehoek

                  Tramlijn 23 Richting Holly

                   ኣብ  Halte Mathenesserplein  ትወርዱ

 

ተወሳኺ ሓበረታ ምስ ዘድሊ፡

                ሓቀዲን     ቁ.ተ.  0645201923

                ረዘነ        ቁ.ተ.  0644289194

 

ሰፊሕ ባህላዊ ሙዚቃታትን ካሊእ መዛናጊዒታትን እውን ኣዳሊና ኣሎና።

 

 

ብደሓን ምጹ።

 

ኣካያዲት ሽማገለ

16-05-2009

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com