|
ወቐሰታት
ስርዓት ኢሳያስ ንሕቡራት መንግስታት እንታይ’ዩ ትርጕሙ
ክፍሊ
ዜናን ባህልን
ሰልፊ
ህዝቢ ኤርትራ
20.09.2008
ዲክታቶርያውያን ፍርሕን ራዕድን
ብምስፋን’ዮም ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ። ነዚ ኢሎም ድማ፡ ዘየለ ቅልውላው ኰነ ኢሎም ባዕሎም ይፈጥርዎ።
ሕንፍሽፍሽን ህጹጽን ኵነታት ፈጢሮም፡ ነቲ ዝጭቍንዎ ህዝቢ ኣብ ክሊ’ዚ ኣጀንዳ ክኣኻኽብዎ ኢዮም ዝሓስቡ። ዲሞክራሲ
ግን፡ ከም ኣጀንዳ ውን ክለዓል ኣይደልይዎን። በዚ ኣገባብ’ዚ ኢዮም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ዲክታቶርያውያን፡ ንህዝቢ
ኣታሊሎም መሳርሒ ናይ ኣዕናዊ ፖለቲካኦምን ተዋስኦታቶምን ክገብርዎ ዝርኣዩ።
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት፡ ኢሳያስ
ኣፍወርቂ፡ ንኣመሪካ ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅልውላዋትን ስእነት ናይ ዲሞክራስን ገይሩ
ክገልጻ ጸኒሑ። ነዚ ንምርዳእ፡ ብ6 መስከረም 2008 ኣብ
(http://www.shabait.com/staging/publish/article_008764.html),
ሰፊሩ ዝነበረ ርእሰ-ዓንቀጽ
ብምንባብ፡ ኢሳያስን እሺ በሃልቲ መጋበርያታቱን ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያት፡ ንኣመሪካ ንምስካም ክሳዕ
ክንደይ ሓርኰትኰት ከምዝብሉ ክበርሃልና ይኽእል። ዕላማ” ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ፡ ኣመሪካ
ቀንዲ ጸላኢትን ሓደጋን ንኤርትራ’ያ ዝብል ግጉይ ተረድኦ ንምሕዳር ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ
እንተዘይኰይኑ ካልእ ጸላኢ የብሉን።
እቲ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ
መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ሓሪምዎ እንከሎ፤ ኣብ’ቲ ናይ 6 መስከረም ርእሰ-ዓንቀጽ ግን፡ ንኣመሪካ
ብተቛማርነት ክኸሳ ይርአ። ካብ ህዝብኻ ብዘየለ ሓደጋታት ምርዓድ ዝኸፍአ ተቛማርነት ኣሎ ድዩ? እቲ ስርዓት፡
ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምልኪ እናደሃኸን፤ ሃገርና ብናቱ ሓሶታትን ግጉይ ራእይን ናብ ብርሰት
እናነቘተን እንከሎ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብግበታ ናይ ስልጣን ክኸስስ ይስማዕ። ስለ’ዚ ዕላማ ናይ’ቲ
ስርዓት ኣንጻር ኣመሪካ እናነብሐን ንኣመሪካ እናጸለመን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኵሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ምሕራም
ኢዩ። ዲክታቶርያውያን ዝፈልጥዎ ዝጕዓዝዎን መንገዲ እዚ ኢዩ። በዚ ኣገባብ’ዚ ከኣ’ዩ ኢሳያስ ንኵሉ ገበናቱ
ክሸፋፍን ዝፍትን ዘሎ።
እቲ ናይ 6 መስከረም ርእሰ-ዓንቀጽ፡
ብዛዕባ ምውላድን ምሟትን ናይ ኢምብራጦርያታት እናተዛረበ፡ ብዛዕባ ውድቀት ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ዲክታቶርያውን
ከይተዛረበሉ ዕሽሽ ኢሉ ክሓልፍ’ዩ መሪጹ። ኢሳያስ’ከ፡ ቅድሚኡ ከም በዓል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኢትዮጵያ፡
ኢዲ ኣሚን ኣብ ኡጋንዳ፡ ሞቡቱ ሰሰ ሰኮ ኣብ ዛይር፡ ኣጉስቲኖ ፒኖቸ ኣብ ቺለ፡ ሑሴን ሃብረ ኣብ ቻድ፡ ቻርለስ
ተይለር ኣብ ላይበርያ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ዲክታቶርያውያን ተወሊዶም ከምዝሞቱ ይፈልጥ’ዶ ይኸውን?!!! እዞም
ዲክታቶርያውያን እዚኣቶም ዝወደቕሉን ዝሃደምሉን ወይ ድማ ካብ ስልጣን ዝወረድሉን ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም
ዝፈጸምዎ ገበናት ምዃኑ”ኸ ይርዳእ’ዶ ይኸውን?!!! ነቶም ካልኦት ዲክታቶርያውያን ዘውደቐ ገበናት ይደግም
ከምዘሎ”ኸ ይፈልጥ’ዶ ይኸውን? ንዕኡ ዝጽበዮ ዘሎ ዕጫ ተመሳሳሊ ምዃኑ’ኸ ይርድኦ ዶ’ምበር ኢዩ? ኤርትራውያን፡
ካብ’ቶም ንዲክታቶርያውያን መራሕቶም ዘውደቑ ኣህዛብ ዝተፈልዩ ስለዘይኰኑ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ሓደ መዓልቲ ከውድቕዎ
ኢዮም። ናጽነት ኣይሸራረፍን ኢዩ።
እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ቀጺሉ፡ “ናይ
ሃይማኖት ናጽነትን ዲሞክራስን ብዝብል ምስምስ ሕቡራት ኣመሪካ፡ ሃይማኖታውን ኤትኒካውን ፍልልያት ከተጋፍሕን ናታ
ዲሞክራሲ ከተውሕጠናን ትፍትን ኣላ” ክብል ይኸስስ። ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ይኹን ኣብ ሃገር ዝተሰርሐ
ዲሞክራሲ የብልናን። ስለ’ዚ፡ ስርዓት ኢሳያስ በዚ ክሲ’ዚ እንታይ’ዩ ከረጋግጽ ደልዩ?!! ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ
ጽቕጠትን ምስጓግን ከምዘሎ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኰነን። እቲ ስርዓት ገዛ ገዛ እናዞረ ንክጽልዩ ዝጸንሑ ኣመንቲ ይገፍፍ
ኣሎ። እቶም ካብ’ዚ ግፋን ማእሰርትን ኣምሊጦም ኣብ ኣመሪካ ዝበጽሑ ድማ፡ ብናጽነት ክጽልዩን ሃይማኖታዊ እምነቶም
ክትግብሩን ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ፖለቲካዊ ሽጣራታት’ዚ፡ ምልክት ናይ ሓደ ናብ ዘይተርፎ ሞት ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ሕሙም
ስርዓት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ኣይክእልን ኢዩ።
ወዲ ኣፎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ
ጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት’ከ፡ ንናይ ህንዲ ዲሞክራሲ ክሳብ ክንደይ ከምዘቈናጸቦ ንዝክር’ዶ”? ህንዲ፡
ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ፍትሒ ንምንጋስ እትቃለስ ዘላ ሃገር ኢያ። ኢሳያስ ግን፡ ካብ’ቲ ግጉይን መትሓዚ ዘይብሉ
ኣረዳድኣኡ ንዲሞክራሲ ተበጊሱ፡ ንህንዲ ንምውቃስ ውን ድሕር ኣይበለን። ኢሳያስ፡ እምበኣር፡ ንዝዀነ ምስ ናጽነትን
ዲሞክራስን ዝምድና ዘለዎ ነገር ንምንቃፍ ዝተዓጥቀ ሰብ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ንኣመሪካን ካልኦት ዲሞክራስያውያን ሃገራት
ብምቍንጻብ፡ ከም’ዚ ናቱ ፍልይ ዝበለ ዲሞክራሲ ዘለዎ ሰብ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ተረድኦ ከሕድር ዝፍትን ሰብ ኢዩ።
ኣብ’ቲ ቃለ-መሓትት’ቲ’ኸ፡ ጠንቂ
ናይ’ዞም ብብዝሒ ናብ ጐረባብትን ካልኦት ሃገራትን ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ኣመሪካ ናይ ስለላ ትካል
(CIA) ኢዩ ከምዝበለ ንዝክር’ዶ? መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ኣመሪካ ናይ ስለላ ትካልን ስደተኛታት ይፈጥሩ ኣለዉ
ማለት ኢዩ። ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብምርዓድን፤ ንኣመሪካ ከም ጸላኢት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምግላጽን፤ ካልኦት
ዲክታቶርያውያን ዕምሪ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገበርዎ ኢዩ ዝደግም ዘሎ። እቲ ሓቂ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣመሪካ
ዝዀነ ይኹን ስግኣት የብሉን። ምኽንያቱ ድማ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ዲሞክራስን
ኣይነፈገቶን። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከተርዕድን ክትኣስርን ኣይተራእየትን። ጸላኢ ህዝቢ
ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ዩ ዘሎ። ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ መሰላቱ ዝሓረሞ፡ ዝኣስሮ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝቐትሎ፡ ንብረቱ
ዝዝርፎን ኣብ ልዕሊኡ ቸይቸይ ዝብል ዘሎን ስርዓት ኢሳያስ እምበር ካልእ ኣይኰነን። ኢሳያስ፡ ተሓላቒ ናይ
ዲሞክራስን ፍቕሪ ሃገርን ክኸውን ዘኽእሎ ዝዀነ ይኹን ሞራላዊ ባይታ የብሉን።
ንሕና ግዳይን መላገጽን ናይ ኢሳያስ
ፖለቲካን ሽጣራታቱን ክንከውን የብልናን። ከም’ እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን መጋበርያታቱን ከፈራርሑና ዝብልዎ፡ ካብ
ደገ ዝመጸና ጸላኢ ይኹን ዝመጽና ሓደጋታት የለን። እቲ ንሃርናን ህዝብናን ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ ፍርሒ ኣብ
ከብድና ኣእትዩ ክገዝኣና ዝጽዕር ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ጥራሕ ኢዩ። ኢሳያስ፡ ንጕጅለ 15 ክኣስር
እንከሎ፡ ኤርትራ ግዳይ ናይ ወጻኢ ውዲት ኰይና ከምዝበለ ዝዝከር ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ዝቐርብ ናይ ጽገና ጠለብ፡
ወይ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዝፍጠር ተቓውሞ ብክሕደት ኢዩ ዝኸሶ። እቲ ህዝቢ ከኣ፡ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክኣቱ
ስለዘይደሊ፡ ስቕ ኢሉ ክቕበሎ ተራእዩ። እዚ ግን፡ ሓቂ ከምዘይነበረ ሕጂ በሪሁ ኣል። እዚ ኰነ ኢሉ ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ኣስመራ ዝሰርሖ ትያትር ኢዩ ነይሩ። እዚ፡ ባህርያትን ተግባራትን ናይ ኵሎም ዲክታቶርያውያን ኢዩ። ስለዝዀነ
ድማ፡ ኢሳያስ፡ ካብ’ዚ ዝተፈልየ መለለዪ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ዘጋጥም
ፍሽለታት፡ እቲ ስርዓት ንኻልኦት ከሳብብን ክኸስስን ድሕር ኣይብልን ኢዩ። እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ድማ፡ ዕምሪ
ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ ኢዩ። በዚ ሓሶት’ዚ ክንታለል የብልናን። ሓንሳብን ንሓዋሩን ነዚ ዕንክሊል’ዚ በቲኽና ሓራ
ክንወጽእ ኣሎና።
|