|
ኤርትራ
ብእትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሃገራት ኣውሮጳ ጸቕጥታት ክግበረላ ይግባእ
ንዶብ ኣልቦ
ጋዜጠኛታት
17.09.2008
ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት እተባህለ ትካል፡
ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ እትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽ እንተደኣኰይኑ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን
ኤርትራ፡ ናብ ኣውሮጳ ከይገሹ እገዳ ክግበረሎም ኣተሓሳሲቡ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ እገዳ እንተደኣ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡
መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ’ቶም በሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝረኽቦ ናይ ወጻኢ ባጢራን ሓደ ሲሶ
ካብ ሃገራዊ እቶት ዝኸውን ደገፍን ደው ክብል ኢዩ። ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክበጽሕ ዝግብኦ ደገፍ ከይተተንከፈ፡
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ዝምድና ከምዝሕጸርን፤ ከምኡ ውን፡ ኤርትራውያን
ስደተኛታት ካብ ስለላን ታህዲድን ናይ’ቲ ስርዓት ከምዝድሕኑን ምግባር ይከኣል ኢዩ ክብል ዶብ ኣልቦ እተባህለ ትካል
ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ
ስጕምቲ እንተደኣ ተወሲዱ፡ ብዛዕባ’ቶም ካብ ደርዘን ዘይውሕዱ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ
ሃለዋቶም ዘይፍለጠሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብስቕታ ክሕለፍ ዘይከኣል ምዃኑ ዝሕብር
ሓያል መልእኽቲ ናብ ሲቪላውያንን ወተሃደራውን ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዘመሓላልፍ ክኸው ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንዅሉ
በቶም ኣብ ወጻኢ ዝመደበሮም ሰብኣውያን ማሕበራት ዝቐርበሉ ክስታት፡ እዚኦም መሳርሒ ናይ ገለ ንልዑላውነትና ዝጻረሩ
ሓያላን መንግስታት መሳርሒ ዝዀኑ ውድባት ዘውርይዎ ናይ ጸለመ ተግባር ኢዩ ብምባል ኣሉታ ክህበሉ ኢዩ ዝስማዕ።
ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ኣብ
ኮንፈረንሳት ንምስታፍ፤ ከምኡ ውን፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጋዜጣታት “መግለጺ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ምሃብ”
ኢለን ብዘቃልሕኦ ኣርእስትታት ሰሚናራት ክገብሩ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ይገሹ ኢዮም። ንስርዓት ኤርትራ ዝወቕሱ ሸነኻት
ግን እዚ መገሻታት’ዚ፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገንዘብ ንምውጻእ ኢዩ ዝግበር ዝብል እምነት ኣለዎም።
ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ንመንግስቲ
ኤርትራ፡ ንጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ኣሲሩ፤ ንውሽጣዊ ተቓውሞታት ድማ ብዓመጽ ዝድምስስ መንግስቲ ኢዩ ዝብል
ክስታት’ዩ ዘለዎ ክብል ሮይተር እተባህለ ፍሉጥ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። |