ጠንቂ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን ንምጽናዕ ብሕቡራት ሃገራት እተገብረ ፈተነ፡

 ኤርትራ ዓንቂጻቶ ክብል ባይቶ ጸጥታ ወቒስዋ

ብልዊስ ሻርቦኖ

17.09.2009

 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ዘጋጠመን ብዙሓት ወተሃደራት ጅቡቲ ዝሞትሉን ናይ ዶብ ጐንጽ ንምጽናዕ ብሕቡራት ሃገራት ክግበር ዝተፈተነ መጽናዕቲ ኤርትራ ምዕንቃፋ ወቒስዋ። እዚ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ጅቡቲ ዝሞቱሉን ዝቘሰልሉን ውግእ’ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሰራዊታ ንዶባተይ ጥሒሱ ክኣቱ ብምግባራ ዝተወልዐን ብዙሕ መዓልታት ዝወሰደን ውግእ ኢዩ ብምባል ጅቡቲ ትኸስስ። ኤርትራ ግን። ነዚ ክሲ’ዚ ኣሉታ ኢያ ትህግበሉ።

ብድሕር’ዚ፡ ኣብ’ቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተወልዐ ውግእ’ዚ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ’ቲ ዞና ከይዱ እንታይ ከም እተረኽበን መን ሓላፍነት ከምዝስከመሉን ዘጻሪ ልኡኽ ንምስዳድ ንኽልቲአን ሃገራት ተወከሰን። ኤርትራ፡ እዚ ልኡኽ’ዚ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላ። ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ብሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ንዝተገብረሎም ምትሕብባር ከመጕሱ እንከለዉ፤ እቲ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ብዘይ ምኽኣሉ ግን፡ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም። ድሕሪ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ናይ ቡርኪኖ ፋሶ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ፕረሲደንት ናይ’ቲ ባይቶን ንወርሒ መስከረም፡ ኣቶ ሚሸል ካፋንዶ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ “ኣብ’ቲ ዘስሓሕብ ዘሎ ዶብ ሰፊኑ ዘሎ ወጥርን ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን፡ ኣብ መጻኢ ናብ ግሁድ ውግእ ከይሰጋገር ሕቡራት ሃገራት ስግኣት ኣለዎ” ክብል ሓቢሩ።  

ናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ዥያን ማውሪርስ ሪፐር ድማ፡ ዋና ጽሓፊ ባኒ ኪሙን፡ ምስ ኣስመራ ርክብ ክገብር፡ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከም እተማሕጸኖ ገሊጹ። ሪፐር ቀጺሉ፡ “መንግስት ኤርትራ፡ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ይኹን ርክብ ክገብር ቅሩብ ኣይኰነን” ኢሉ።

ናይ ክልቲኡ ሰራዊታት ካብ’ቲ ዘስሓሕብ ዘሎ ዶብ ክርሕቑን ዝምድናታቶም ከመሓይሹን ኣባላት ባይቶ ክምዝጸውዑ ድማ፡ ኣቶ ካፋንዳ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ድማ፡ ኤርትራ ምስ’ቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጽራይ ልኡኽ ክትተሓባበር ዘይደለየት፡ ድሕር’ቲ ናይ ሰነ ውግእ፡ ባይቶ ጸጥታ እቲ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ከየጻረየ ንኤርትራ ስለዝኸሰሰ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ 12 ሰነ ብምሉእ ድምጺ ዝተደገፈ መግለጺ፡ ባይቶ ጸጥታ ንኽልቲኦም ሃገራት ብሓፈሻ፡ ንኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ናይ ውግእ ደው ምባል መብጽዓ ክኣትዉ፡ ትዕግስቲ ክገብሩን ሰራዊታቶም ናብ’ቲ ቅድም ዝነበርሉ ቦታታት ክስሕቡን ጸዊዑ ነይሩ።

ኣቶ ኣርኣያ ደስታ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሕቡራት ሃገራት ድሮ ንኤርትራ ኰኒንዋ ኢዩ” ኢሉ። ቀጺሉ፡ “ጅቡቲ ንፈረንሳን ኣመሪካን መደበር ምፍቃዳን፤ ነታ ቀንዲ ጸላኢት ኤርትራን መሓዛ ኣመሪካን ዝዀነት ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ዘራኽብ መስመር ምዃናን ግጉይ ኢዩ” ኢሉ።

ኣብ መጀመርያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኤርትራ ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት እገዳ ምስ ገበረትሉ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ’ዚ ተኣፋፊ ዞና ዝነበረ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊቱ ከምዝሰሓበ ዝዝከር ኢዩ። ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕር’ቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ውግእ ደው ምባሉ ብ2000 ዓ.ም ኢዩ ናብ’ቲ ቦታ ተዋፊሩ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com