|
ክፉት ህዝባዊ
ኣኼባ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሽመልባ
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
22.09.2008
ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሓላፊ
ውሽጣዊ ጕዳያት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሖ፡ ብጾይ መሓመድ ኣሰሎ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ወኪል ሰልፍን ኣብ
ሽረ፤ ብጻይ ዒሳ መሓመድ፡ ሓላፊ ምምሕዳር ውሽጣዊ ጕዳያት ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ
ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ሽመልባ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ብዕለት 22.09.2008 ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ክፉት ኣኼባ
ኣካይዶም።
ልኡኽ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ
ኣኼባ’ዚ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንምምስራት ዝተኻየደ ጻዕርታት፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ፖለትካዊ
ውሳኔታትን ቀዳማይን መስራትን ጕባኤ ዘትኰረ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ ውን፡ ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓድነትን ናይ ምቅርራብን መስርሕ ካብ ድሕረ-ባይታኡ ኣትሒዙ ክሳብ ኣብ’ዚ
እዋን’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ልኡኽ
ሰልፍና ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ናይ ኣኼበኛታት ርእይቶታትን ለበዋታትን ድማ
ተቐቢሉ። ኣኼባ ብምትዕግጋብን ብህዱእ መንፈስን ብዓወት ከምዝተዛዘመ፡ ወኪል ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ።
|