|
ዓይነታዊ ንቕሎ፡ ኣብ’ቲ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ
ክፍሊ ዜናን ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ
12.09.2008
ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ሓደ
ካብ’ቶም ቀንዲ ተጣበቕቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ፡ ገለ መዓልታት ቅድሚ ምውላድ ሰልፊ
ህዝቢ ኤርትራ፡ “እቲ ጕባኤን፡ ካብ’ቲ ጕባኤ ዝውለድ ሰልፍን፡ ኣብቲ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ
መሰላትን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዓይነታዊ ንቕሎ ክኸውን ኢዩ” ኢሉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።
ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡
ሓላፊ ናይ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝበለ፡ ኣብ’ቲ ጕባኤ እናተኸየደ
እንከሎ ብዕለት 27 ሓምለ 2008 ዝለኣኾ መልእኽቱ ኢዩ።

ሓው
ያሲን፡
ሓደ
ካብ’ቶም
ኣብ
መስራትን
ቀዳማይን
ጕባኤ
ሰልፊ
ህዝቢ
ኤርትራ፡
ከም
ተዓዛቢ ክሳተፍ
ተዓዲሙ
ዝነበረ፡
ግን
ከኣ
ክሳተፍ
ዘይከኣለ
ባእታ
ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት
ኣብ ዝተጋብአ ሓደነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ውን፡ ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላን፡ ሓው መሓመድ ዑስማን
መሓመድ ኑርን ካብ ማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣወንታዊ ግደታት ዝተጻወቱ ሰባት ኢዮም። ካብ’ዚ ዘለዎም
ምርኡይ ግደ ብምብጋስ፡ ኣሰናዳኢት ኮሜቴ ምስራታ ሓድሽ ሰልፊ፡ ንኽልቲኦም ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ ዕድመ ኣቕሪባትሎም
እኳ እንተነበረት፡ ሓው ያሲን ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ኣብ ጕባኤ ክሳተፍ ዘይምኽኣሉ ይቕሬታ ዝሓትት መልእኽቲ
ናብ ጕባኤ ናይ ሰልፊ ኣመሓላሊፉ።
ሓው ያሲን ናብ ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ ዝለኣኾ መልእኽቲ ዽማ ከምዘለዎ ነቕርበልኩም። ( ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ሓደ
ካብ’ቶም ኣብ 1999 ንሃገራዊ ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ ዝመስረቱ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ኢዩ። ኣቦ
መንበር ኰይኑ ውን፡ ንኣኼባታት ምሕዝነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ብዙሕ ግዜ መሪሑ ኢዩ። ድሒሩ ግን፡ ያሲንን
ተዓዛቢ ኣባል ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ጀማል ሁመድን፡ ነቲ ኣባላቱ ዝነበሩ “ጕጅለ ተበግሶ” ተባሂሉ
ዝፍለጥ ማሕበርም ኣፍሪሶም፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ናይ ዜናን ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራት ከምዝመስረቱን ጌና ውን
ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ይነጥፉ ምህላዎምን ዝፍለጥ ኢዩ።
ካብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለም፡
ናብ ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላእኩ ብዙሓት ናይ ደገፍ መልእኽትታት ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን፡ ብዝነበረ
ጻዕቂ ናይ ስራሕ፡ ኣብ ግዚኡ ክቃልሑ ኣይከኣሉን። ኣብ መዛግብቲ ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብኽብሪ ክዕቀቡ
ምዃኖም ክንሕብር ንፈቱ። ነቶም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ዝሰደዱልና ደለዪቲ ጽቡቕና ድማ፡ ይቕሬታ እናሓተትና፡ ናይ’ቲ
ዝገበሩልና ፖለቲካውን ሞራላውን ደገፍ ምስጋናና ነቕርበሎም።
****************************************************************************************************
الأخوة رئيس وأعضاء المؤتمر التأسيس للحزب
تحية طيبة
أرجو ان تتقبلوا أيها الأخوة الأعزاء أمنياتي الطيبة لكم بنجاح أعمال
المؤتمر والتي أنا على ثقة إنها ستمثل نقلة نوعية في نضال شعبنا من أجل
الديمقراطية واحترام حقوق الإنسان.
وأنا على ثقة أيضا أن هذا الحزب سيجد في الإرث العظيم لجبهة التحرير
الإريترية- المجلس الثوري خير معين له في خوض غمار النضال الجبار من أجل
الديمقراطية.
وأرجو أن تتقبلوا اعتذاري لعدم قدرتي المشاركة بالحضور معكم كما أرجو أن
تتقبلوا اعتذاري في تأخر وصول هذه الرسالة لكم بسبب ظروف خاصة قاهرة.
مرة أخرى أمنياتي للمؤتمر وللحزب بالنجاح.
ياسين محمد عبد الله
رئيس مركز سويرا لحقوق الإنسان
27/7/2008
*************************************************************************************************
ትርጕም ናይ መልእኽቱ
ናብ ኣሕዋት ኣቦ መንበርን ኣባላት ጕባኤ መስራቲ ሰልፍን
ድሕሪ
ሕውነታዊ
ሰላምታ፡
ኣቀዲመ፡ ጕባኤኹም ብዓወት ክዛዘም
ዘሎኒ ጽቡቕ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ። ጕባኤኹም፡ ዓይነታዊ ንቕሎ፡ ኣብ’ቲ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ
መሰላትን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ክኸውን ምዃኑ ድማ እተኣማመን ኢየ። ከምኡ ውን፡ እዚ ሰልፊ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ናይ ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶ፡ ብሉጽ ውርሻታት ተመርኲሱ፡ ናይ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝካየድ ቃልስታት ሕመረት ወይ ማእከል ክኸውን
ምዃኑ ኣይጠራጠርን ኢየ። ብሰንኪ ገለገለ ጸገማት፡ ኣብ ጕባኤኹም ክሳተፍ ብዘይ ምኽኣለይን፤ ከምኡ ውን፡ እዚ
መልእኽቲ’ዚ ደንጕየ ብምስዳደይን እቕሬታ እሓትት።
ደጊመ ዓወት ጕባኤኹምን ሰልፍኹምን
እምነ።
ያሲን መሓመድ ዓብደላ
ኣቦ መንበር ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ
መሰላት
27.07.2008 |