ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ዝሓዘት ጀልባ ኣብ ፈለግ ዓትባራ ጥሒላ

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

24.09.2008

 

ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ ፈለግ ዓትባራ፡ ሱዳን፡ ጥሒላ። ኣብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ዝሞቱ 21 ክዀኑ እንከለዉ፡ 4 ኤርትራውያንን ሓንቲ ሶማልያዊትን ሓምቢሶም ከምዝወጹ ተሓቢሩ። ኣብ መንጐ’ቶም ዝሞቱ 21 ሰባት 8 ደቂ ኣንስትዮን 3 ህጻናትን ከምዝነበሩ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ዕለት 24.09.2008 ፈነውኣ ገሊጻ።

 

ጠቕላላ ቍጽሪ ናይ’ቶም ኣብ’ታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ይኹን፤ ካብኦም ክንደይ ኤርትራውያን፡ ክንደይ ከኣ ሶማልያውያን ከምዝሞቱ ግን፡ ዝተነጸረ ሓበሬታ የለን።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com