|
ኣገዳሲ
ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ
ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
ሰልፊ ሕዝቢ ኤርትራ (ሰ.ህ.ኤ) ኣብ ወርሒ ሓምለ ቀዳማይን መስራትን ጉባኤ ከም ዝገበረ ዝዝከር እዩ። ውጽኢት
ጉባኤ፡ ንህዝቢ ንምግላጽ ኣባል መሪሕነት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ናይ ስርርዕ ሓላፊ ብጻይ ኣማኑኤል
ሃብተ ኣብ ሽወደን ዑደት ክገብር ስለ ዝዀነ ምስ ተቐማጦ ከተማ ስቶክሆልምን ከባቢኡን ትርከቡ ኤርትራውያን ኣብ’ዚ
ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ክትሳተፉ መደብ ወጺኡ ስለ ዘሎ ብኽብሪ ትዕደሙ።
እዚ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ዝግበረሉ
ዕለትን ቦታ ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ።
ዕለት 11 ጥቅምቲ 2008 (
11 November 2008)
ግዜ ካብ ሰዓት 13 00 ክሳብ
1800
ቦታ ሽሺታ ትሬፍ
ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ኣኼባ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክሳተፍ ዳግማይ ብኽብሪ ንዕድም። ኣብ’ዚ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ
ንምይይጥ ዝወጸ መደብ፡ እቲ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ።
1 ሕቶ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ
2 ሕቶ ዲሞክራሲ
3 ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
4 ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ዜጋታት
5 ሕቶ መሬት
6 ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶ
7 ዘይምእኩል ምሕደራ
8 ትምህርትን ባህልን
10 ሕቶ ከባቢ
11 ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራት
ዝኣመሰል መግለጺ ክወሃብ’ዩ። ብድሕሪኡ ከኣ ዝኣክል ግዜ ተዋሂብዎ መደብ ሕቶን መልስን ክቅጽል’ዩ።
ብደሓን ምጹ
ሰልፊ ሕዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን
|