|
ርክብ ምስ
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን
ኣብ ቤት
ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
16.09.2008
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ
ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ስምዮን ኦ. ጆዘፍ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን
ዕዮን ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ።
ኣብ’ዚ ርክብ’ዚ፡ ብጻይ መንግስተኣብ፡
ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂብዋ። ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ህዝቢ
ዘልዓሎም ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
1. ኤርትራ: ናይ ሓደ ሰልፊ/ናይ ሓደ
ሰብ ምልኪ ዝነገሳ ሃገር ምዃና፤
2. ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ
ከምዘየለ፤
3. ብሽፋን ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፤
4. ኵነታትን መንነትን እሱራትን
ኣተሓሕዛኦምን፤
5. ኵነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት
ብሓፈሻ፡ ናይቶም ካብ ግብጺ፡ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝባረሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ድድማ ብፍላይ። ኣህጕራዊ
ማሕበረ-ሰብ ድማ፡ ማዕረ’ዚ ብድሆ’ዚ ኰይኑ ከምዘይተረኽበን ገሊጹ።
ኣብ ርእስ’ዚ ካብ ወኪል ቤት ጽሕፈት
ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ናይ ኣመሪካ ወይ/ስምዮን ዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ሕቶታት ውን መሊሱ። |