መንእሰያት ንዛተ

እዋንን መድረኽን ምስ ዝጠልብ፤ ሰብ ጉዳይ ንዘጋጠሞም ኩነታት ንምምካት ንኽዛተዩ ግድን እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን እውን ንዘተን ንናይ ድሕሪ ዘተ ሓባራዊ ስጉምትታትን ዝዕድም ሃዋህው ካብ ዘጋጥመና ሓያለይ ዓመታት ተቆጺሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓባራዊ ዘተ ዝተመርኮሰ መእኩልን ሓባራውን ናይ ተቃውሞ ስጉምትታት ክውሰድ ዝይምጽንሑ፡ ነቲ ኣብ ልዕለና ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ጥፍኣትና ሓደጋ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ኣጋዲድዎ እውን ክበሃል ይከኣል።

ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ድማ ንኹልና ኤትራውያን ብማዕረ ዝምልከተና እኳ እንተኾነ፤ ንዓና ንመንእስያት ግን ሕሉፍ ከይኮነ ኣይተርፍን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሕና ንጡፍ ሓይሊ ስለዝኾና ጥራሕ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ክንይኡ እውን ካልእ ምኽንያታት ኣለዎ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡

1.        መንእስይ ማለት ኣብ ናይ ምምዕባልን ምፍራይን ዕድመ ዝርከብ ክፍሊ ህብረተሰብ እዩ። እቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝኽዕብቶ ምዕባለን ፍረ ጻዕርን ድማ፤ ንመጻኢ ህይወቱ ሰረትን ስንቅን ይኾኖ። እዚ እንክንሱ ግን፣ ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት ቀድሚ ናይ ናጽነት ዕድመና መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብዝፈጠረልና ጭቆና ምኽንያት፤ መንገዲ ምዕባለን ኣፍራይነትን ተነፊግና፤ ኣብ ናይ ምንባር-ሕቶ(survival) ጥራሕ ዝተደሪትና ጽኒሕና፡፡ ኮይኑ ግን ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ ዘይተጸበናዮ መዓት፣ እቲ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንትርፊ ብዜግነቱ ብባህርያቱን ኣሰራርሓኡን ወላ ሓንቲ ፍሉይነት ዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ ብዝፈጠረልና ናይ ጥፍኣት ጎደና ምኽንያት፡ ሎሚ እውን ዕጫና ዘይተደልየ መስዋእትን ምብትታንን ኰና'ሎ። እዚ ማለት ከኣ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ መጻኢ ህይወትናውን ሰረት ኣልቦ ተሪፍና ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ክንሓስበሉ ዘሎና ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ክንግደሰሉን ክንብገሰሉን ዘሎና ናይ ህልውን መጻእን ህይወትና ወሳኒ ሕቶ ስለዝኾነ።

 

2.        እቲ ካልኣይ ምኽንያት፣ ንሕና ማለት መንእሰያት ኤርትራ ተቀበልቲ ሕድሪ ስዉኣት ኣሕዋትና ምዃና እዩ። ባይታ ከም ዘግህዱ ብኣረዳድኣ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕትና፤ ሕድሪ ስዉኣት ማለት ነጋሪት ኲናት ክንፋሕ ከሎ፤ ብረት ተዓጢቅካ ንኲናይ ምኽታት እሞ፤ ዓውደ ኲናት ዘሃበካ ዕድል ማለት መስዋእቲ፡ ስንክልና፡ ድኽነት፡ ምዝንባል መነባብሮ ው.ዘ.ተ. ኣሜን ኢልካ ምቅባል እዩ። ብኣረዳድኣና ግን ካልእ ኣምር ክህልዎ ኣለዎ። ንባዕዳዊ ጎነጽ እኹል ምስተረፉ ተበጂና ኢና። ሓደራን ሕድሪን ስዉኣትና ኮይኑ ብኣና ከትግበር ዘለዎ ጉዳይ እንተኾነ'ውን እምበኣር ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ኣረጋጊእና ብዲሞክራስን ፍትሕን ዝተዋሕሰ ምዕባለ ሃገር ክነመዝግብ እዩ እቲ ግደና። መስዋእቲ እንተ ኣድለየ ድማ ነዚ ጉዳይ እዚ እዩ ዘድሊ።

 

3.        ሳልሳይ ምኽንያት፤ ንሕና ናይ ሎሚ ወረስቲ ናይ ጽባሕ ኣውረስቲ ስለዝኾና። ናይ ነገር ዕድል ኮይኑ፤ ዕድመ ገዛእቲ ኤርትራ ስለዝተናውሐ፤ ካብ ወለድና ኮነ ካብ ኣሕዋትና፡ ብመስዋእትነት ዝተሓረረት፤ ግን ከኣ ከም ውጽእት ናይ ነውሕ ግዜ ሰንሰለታውያን ውግኣት ዝባደመት ሃገር ወሪስና። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ሎሚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣንቃዕሪርና ንጥምቶ ኣሎና። ዓለም እውን ኣብኣ እንከሎና ብሰንኪ ድሕረትና (backwordness) ስኢናትና። ስለዚ ነታ ብኽምዚ ዝወረስናያ ሃገር ንመጻኢ ወልዶ ብኸምዚ ክነውርሳ እንተድኣ ኰና፤ ብመጻኢ ወለዶ እውን ተሓተትን ተነቀፍትን ክንከውን ስለዝኾና።

ኩልና ኣብ ናይ ተቃውሞ መርገጽ ከምዘሎና ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። ኩልና ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘሎናዮ ሃሊና ሓቢርና ክንዝትን፤ ተዛቲና ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከብጽሓና ዝኽእል ናይ ሓባር መንግዲ ተሊምና ብኡ ክንምርሽን ወሳኒ ሕቶ እዩ። ብፍላይ ግን ሃገር ግዲፍና ብምውጻእ ተቃውሞና ዘመስከርና መንእሰያት፤ ነዚ ነገር እዚ ብዕቱብነት ክንብገሰሉ ዝግበኣና ይመስለኒ። ገለ ውልቀ ሰባት፤ ኣብ ጉዳይ ሃገር ምውሳእ ማለት ኣብ ፖሎቲካ ምውሳእ ማለት እዩ፡ ፖሎቲካ ማለት ድማ ብመሰረቱ ኣንጻረ ሰላማዊ ህይወት እዩ ዝብል ጊጉይ ኣረዳድኣ ዘሎና ኣይወሓድናን። ገለ እውን ናብራይ ብሰላም ክመርሓሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ካብ በጻሕኩስ፡ ሰሪሐ ብሰላም ይምበሪ ወላስ ነገር የምጽእ ዘብል መርገጺ ብምውናን ካብ ሃገራዊ ግቡእና ክንግለል እንፍትን እውን ኣይተሰኣናን። ገለናውን ንህግደፍ ክም መለኮታዊ-በትረ-ስልጣን(divine power) ዝሓዘ ዘይንቅነቅ ሓያል መንግስቲ ቆጺርና “ኣምላኽ ድኣ ባዕሉ የቅልሎ እምበር ብሰብሲ ኣይተኻእለን” እንዳበልና ናይ ተስፋ ቁርጸት ቃላት እነቆማጥዕ እውን ሓያለይ ኢና። እዚ ኹሉ ግን ናይ ተስፋ-ቀቢጽነትን (hopelessness) ናይ ትሕተ-ሃገራውነትን (under nationality) ምልክት ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ኮይኑ ተሪፉ ግን፣ ንስለ መጻኢ ዕድልናን ራህዋ ሃገርናን ብሓዲሽ መንፈስ ሓቢርናን ሰሚርናን ክንዓዩ ከምዘለና ሕድርን ሓደራን ዘየድልዮ ሃገራዊ ግቡእና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

 

መድሃኔ ሃብተዝጊ  


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com