|
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት
ሃገራት
24 መስከረም 2009
21 ስደተኛታት ጠፊኦም፡ ምናልባት ኣብ
ሱዳን ፈልግ ክሰግሩ ከለዉ ጠፊኦም ከይኰኑ ይፍራሕ
ካርቱም፡- 21 ስደተኛታት፡ ትማሊ
ለይቲ፡፡ ኣብ’ቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይ መደበር ሸገራብ ዝርከብ ፈለግ ዓጥባራ ንምስጋር
ተጻዒኖማ ዝነበሩ ጃልባ ብምግልባጣ ጥሒሎም ከይኰኑ ይፍራሕ።
ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከቡ ሓለፍቲ ምምሕዳር፡
ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ወከልቲ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ኣብ’ቲ
ሓደጋ ዝተረኽበሉ ቦታ በጺሖም። ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት ሓደ ክፋል
ናይ’ቶም በ4 ጃላቡ ገይሮም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ናይ ለይቲ ነቲ ፈለግ ንምስጋር ዝፈተኑ ጕጅለ ኢዮም ነርዮም።
እተን ጃላቡ ነፍስወከፈን እንተበዝሐ 15 ሰብ ጥራሕ ኢየን ክስከማ ዝኽእላ። እንተዀነ ግን፡ ሓንቲ ካብ’ተን
ኣርባዕተ ጀላቡ፡ 26 ሰባት ተጻዒኖማ ስለዝነበሩ፡ ካብ’ቲ ገምገም 600 ወይ 700 ሚተር ዝኸውን ምስ ከደት
ተገልቢጣ። 4 ኤርትራውያን ካብኦም ሓምቢሶም ክወጹ ከለዉ፡ ሓንቲ ሶማልያዊት ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ፈለግ
ጸብለል ዝብል ዝነበረ ጕንዲ ሒዛ ክትወጽእ ክኢላ። እዞም ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት፡ ናብ’ቲ ኣብ ሸገራብ ቍጽሪ 2
ዝርከብ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ተወሲዶም።
ሓሙሽቲኦም ድማ፡ ናይ ስደተኛታት ናይ
ዑቝባ መንነት ወረቐት ዝሓዙ ኢዮም። ሓደ ካብኦም፡ ቅድሚ ሰለስተ ሳምንቲ ናብ ሱዳን ከምዝኣትወነ፤ ስራሕ ንምርካብ
ናብ ካርቱም ንምኻድ እናፈተነ እንከሎ፡ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ። ነፍስወከፍ ካብ’ቶም ስደተኛታት፡ 200 ጅኔ
ሱዳን (ሚኢቲ ዶላር ኣመሪካ) ከፊሉ ነቲ ፈለግ ዝሰግሮ፣ ብድሕሪኡ ብእግሩ ናብ ካርቱም ይኸይድ። እቶም ጠፊኦም
ዘለዉ፡ ኤርትራውን ሶማልያውን መበቆል ዘለዎ ኣባላት 11 ስድራ ቤታት ምዃኖምን፤ ካብኦም ድማ፡ 8 ደቂ ኣንስትዮን
እንተውሓዱ ሰለስተ ህጻናትን ምዃኖም ገሊጹ። ፖሊስ ሱዳን፡ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ዝነበሩ፡
ናይ ስደተኛታት መንነት ወረቐት ዝሓዙን ኣብ’ቲ ምስጋር ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩን ሰባት ሒዞምዎም ኣለዉ።
ነቲ ሪሳታት ድማ ዘድሊ ቅጥዕታት ድሕሪ ምክያድ ንምቕባሩ መደባት ተታሒዙ ይስርሓሉ ኣሎ።
እዚ ዘሕዝን ተረኽቦ’ዚ፡ ኣብ ምብራቕ
ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣሰቃቒ ኵነታትን፤ ካብኡ ንምምላጥ ክብሉ ዘጋጥሞም ሓደጋታትን ኢዩ
ዘንጸባርቕ። እቲ ናይ ሱዳን ሕግታት፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ’ቲ ሓገዝ ዝረኽብሉ መደበራት ክነብሩ ኣለዎም
ስለዝብል፤ እቶም ካብ’ቲ መደበራት ከምልልጡ ዝፈተኑ ስደተኛታት መታን ከይተሓዙ፡ ኣብ ክንዲ ብጽርግያ ብጃላቡ ኢዮም
ክጥቀሙ ፈቲኖም። እንተዀነ ግን፡ ኣብ’ቲ መደበር ስደተኛታት ዘሎ ኵነታት ናይ መነባብሮ ሕማቕ ስለዝዀነን፡ ናይ
ምንባር ዕድሎም ጸቢብ ስለዝዀነን፤ እቶም ስደተኛታት፡ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ የጋጥሞም ብዘየገድስ፡ ናብ ካርቱም
ክበጽሑን፤ ካብኡ ድማ፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክሰግሩን ኢዮም ዝደልዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን
ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን 130,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣለዉ። ዝበዝሑ ካብኦም ድማ፡ ካብ
ኤርትራን ሶማልን ኢትዮጵያን ዝመጹ ኢዮም። 100,000 ኣቢሎም ዝዀነ፡ ኣብ’ቲ ብኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ረዲኤት
ዝውሃበሉ 12 መደበራት ስደተኛታት ይነብሩ። 40,000 ዝዀኑ ድማ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ይቕመጡ።
በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ናይ ምምላሶም ዕድል ስለዝተናውሐ ኣብ ሃገር ስደት ምስ ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ክነብሩ ይግደዱ። ብገዳርፍን
ከሰላን ብቀይሕ ባሕርን ኣቢሉ ናብ ሱዳን ዝኣቱ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ጌና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ።
|